8ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም፣ “ሆሳዕና”
ናይ ዕለቱ ምስባክ
“እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓት
በእንተ ጸላኢ ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ”
"ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ" መዝ 8፣2
ወንጌል፣ ማቴ 21፣ 1-17፣ዮሐ 12፣12-19፣ ሉቃ፣19፣28-40፣ ማር፣11፣1-11, ቅዳሴ፣ጎርጎሪዮስ ()ንባባት: ዕብ 9፣11፣ 1ጴጥ 4፣1-12፣ ግሐ 28፣11-22
|
በዚ ዕለት'ዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "መሲሕ" ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ ዝተዘመረ መዝሙር " ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም" ዝብል ነበረ::
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ
ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ ኣብ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት ፋጌ በጽሑ። "ኢየሩሳሌም" ማለት "ናይ ሰላም ከተማ" ክኸውን ከሎ፣ "ቤት ፋጌ" ማለት ድማ "ናይ በለስ ቤት" ማለት እዩ። ብኣቦታት ድማ "ዝተመሳቐለ ጎደና" ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ።
ጐይታ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንኽልተ "ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ኽትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር እንተ በለኩም "ጐይታ ይደልዮም ኣሎ" በሉ” ኢሉ ለኣኾም።ደቂ መዛሙርቱ ድማ ከይዶም ከምቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝኣዘዞም
ገበሩ።
ስራሕ ሐዋርያት ብሰረቕቲ ኣጋንንቲ ንዝተኣስሩ ኃጢኣተኛታት፣ ብቃል ወንጌል ምፍታሕ እዩ። ንዝተኣስራ ነፍሳት ኪፈትሑ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ አዚዝዎም እዩ። ብኣገልግሎት ሐዋርያት ዝተፈትሑ ድማ መሕደሪ እግዚአብሔር እዮም ዝኾኑ።
"ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጐሲ፣ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም እልል በሊ፣ እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቕ መድኃንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።"(ዘካ 9፣9) ዝብል ቃል ትንቢት ንኽፍጸም፣አብ ኣድግን ጻዕብ ኣድግን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም መጸ። ልብሲ ፍርሃትን ሕፍረትን ከምዝኸድን: ኣበሳናን በደልናን ኣርሒቕካ ኃጢኣት ዓለም እትኸድን ሕፍረትና ጋሪድካ ምረት ቁስልናን እትፍውስ፣ ሓድሽ ልብሲ ጐይታ ኢየሱስ መድኃኒ ዓለም ንስኻ ኢኻ ክብሉ፣ አብ ኣድግን ጻዕብ ኣድግን ንኽውጣሕ ሐዋርያት ክዳውንቶም ኣብ ዝባነን ጐዝጐዝሉ፣
ኣድጊ፣ ንዕቕቲ እያ። ርእሶም ዘትሕቱ ስቡራት መንፈስ ናብ አምላኽ ከምዝጥምቱ ይምህረና። (ማቴ 11፣29፣ መዝ 51፣17-18) አይኮነን ዶ ንስኻ፣ ዝተወጣሕካያ ኣድጊ ከማን ሓመድ ክትንክፋ ኣይግባእን ንምባል እቶም ሕዝቢ ልብሶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። ንንጉሥ ዝግባእ መግለጺ ኣኽብሮት እዩ።( 2ነገ 9፣13) "ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት! ሆሳዕና ኣብ ኣርያም" እናበሉ ክዝምሩ ጀመሩ።
ሆሳዕና፣- ማለት "ሕጂ ኣድሕን" ማለት እዩ። መዝ 118፣25 "ኦ እግዚአብሔር ኣድሕን ኰታ።"
ኣብ ኣርያም፣- መሕደሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ሰማይ የመልክት። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሰማይ ዘሎ፣ ኣብ ሰማይ ዝነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድኃኒት ሕጂ ኣድሕን እናበሉ ዘመሩ።
ጭርሖኦም ብክልተ መገዲ ክርአ ይከኣል፣ ቀዳማይ ካብ ግዝኣት ሮማውያን ኣድሕን ዝብል ናይ ሥጋ ጭርሖ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ድማ (ቀንዲ) ካብ ሞት ሥጋ ካብ ሞት ነፍሲ ኣድሕን ማለቶም ነበረ።
ካልእ ኣብ ምስጋናኦም ዝበልዎ ቃል "ወዲ ዳዊት" ዝብል ኮይኑ፣ ክርስቶስ እቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ ምዃኑ እቶም ሕዝቢ ከም ዝተገንዘቡ የመልክት።( ማቴ 12፣23, 20፣23, 22፣41)
"መንግሥቲ ዳዊት ኣቦና" ማለቶም ንዳዊት ዝተዋህበ ቃል ተስፋ ከምዝተፈጸመ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግሥቲ፣ ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ነበረት። ናይ ኵሉ ሰብ ገዛኢ እግዚአብሔር ስለዝኾነ፣ ካብ ኣዳም ክሳብ ጊዜ ነቢይ ሳሙኤል ንሕዝቡ ዝሕዝ ዝመርሕ ብተስፋ ናይ ዘርኢ ሓረግ በዓል ቤት እግዚአብሔር ብምዃኑ ንጉሥ ኣይነበረን። ኣብ ጊዜ ነቢይ ሳሙኤል ግና ሕዝቢ እስራኤል ከምቶም ኣሕዛብ ንጉሥ ስለዝደለዩ፣ ንጉሥ ኣንግሰልና ኢሎም ንነቢይ ሳሙኤል ሓተትዎ። ነቢይ ሳሙኤል ናብ እግዚአብሔር ምስ ኣመልከተ ድማ፣ እግዚአብሔር ድማ "ንኣኻ ዘይኮኑ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እሞ አንግሰሎም በሎ"። ነቢይ ሳሙኤል ግና ንጉሥኩም እግዚአብሔር ስለዝኾነ ይትረፍኩም እንተ በሎም፣ እንቢ ኢሎም ምስማዕ ስለ ዝኣበይዎ፣ ሓላዊ ኣድጊ ሳኦል ኣንገሰሎም። ንእግዚአብሔር ክግዛእ ዘይፈተወ ሕዝቢ: ጓሳ ኣድጊ እዩ ዝገዝኦ።
መንግሥቲ ሳኦል ተሳዕረ እሞ፣ እግዚአብሔር ከም ፍቓዱ ዝመርሕን ናቱ መንግሥቲ እትግለጸሉ ዳዊት ከምዝቕባእ ገበረ። ናይ ዳዊት መንግሥቲ ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ነበረት። ንዳዊት ድማ ካብ ዘርእኻ አብ ዝፋነይ ኬቐምጥ እየ በሎ። ንጊዜኡ እኳ ሰሎሞን ኣብ ንግሥነት እንተ ተተክአ፣ ፍጻሜኡ ግና ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘርኡ ከምዝውለድ ቃል ኣትይሉ ነበረ። ነዚ ቃል ኣብሳሪ ቅዱስ ገብርኤል ተዛሪብዎ እዩ። (ሉቃ 1፣32-33)
ስለዚ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚአብሔር መንግሥት፣ ብልደት ወዲ እግዚአብሐር ስለዝተገልጸት፣ ናይ ኣቦታትና ናይ ዳዊት መንግሥት ብምባል ዘመሩ። በዚ ኵነታት መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፣ ብዘላ እታ ኸተማ "መን እዩ፧" እናበለት ተናወጸት። እቶም ሕዝቢ ድማ "እዚ ነቢይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ" በሉ።ድሕርዚ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ ኣብ ቤት መቕደስ ዚሸጡን ዚሻየጡን ዝነበሩ ዅሎም ሰጐጎም፣ ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግቢውን ገልበጠ። "ቤተይ ቤት ጸሎት ኪበሃል እዩ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርክምዎ” በሎም። ኣብ ቤት ጸሎት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ናይ ንግዲ ገበናት ኣጽረየ። ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበሩ ዕዉራን ሓንካሳትን ኣሕወዮም።
ጎባጣት ቀንዑ፣ ለምጻማት ነጽሁ፣ ቤት መቕደስ በዓቲ ጐሓሉት
ብምግባር ኣርኪሶም ዝነበሩ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ናይ ኣእምሮ ዑረቶም ከይበርሃሎም፣ ስንኩል ኣተሓሳስባኦም ከይቀንዐ
ተረፈ። በዚ ድማ ሰንበት"ሆሳእና" ኢሉ ዝዘመረ ሕዝቢ ዓርቢ "ይሰቐል"ከምዝብል ገበሩ።
መድኃኒና ኣብ ቤት መቕደስ ከሎ ሕጻናትን ሐዋርያትን ዓው
ኢሎም "ሆሳእና ንወዲ
ዳዊት" እናበሉ ክዝምሩ ምስ ረኣዩ፣ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓይኖም ደም ስለ ዝመልኦም
ሓረቑ "እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዖዶ ኣሎኻ፧" ግንሓዮም በልዎ። ጐይታ ኢየሱስ ድማ "እወ እዚኣቶም እኳ ስቕ
እንተበሉ፣ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፣” እቲ ካብ ኣፍ ቈልዑን
ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዚብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧"በሎም:: (መዝ
8፣2)በሎም። (ሉቃ 19፣40)
ለባማት ኢና በሃልቲ ልቦም ዓዊሩ አንደበቶም ብምኽሪ ሰይጣን
ኪዕጾ ከሎ፣ ልሳን ሕጻናት ግና ምስጋና ይፍልፍል ነበረ።
ክቡር ኣንባቢ፣ ንስኻውን ከም ሐዋርያት እዙዝ ልቢ ኪህልወካ
እግዚአብሔር ካብ ማእሰርትኻ ክፈትሓካ ጸልይ፣ ነታ ዝተናዕቀት ፍጥረት ዘይነዓቐ፣ ዋላኳ አዚና ኃጢኣተኛታት ንኹን ብንስሓ ናብኡ
እንተ ቐሪብና ከምዝቕበለና ፍለጥ።
ሓደሓደ ሰባት ክብሪ ይደልዩ ግና ኣይረኽቡን፣ ዓበይቲ ኪበሃሉ ብሕዝቢ ኪነኣዱን ኪፍተዉን ይደልዩ ግና
ኣይኮነሎምን፣ ምኽንያቱ መሕደሪ ክርስቶስ ስለዘይኮኑ እዩ፣ እምበኣር ኣብ ናይ ሎሚ ታሪኽ ጐይታ ዝተወጥሓ ኣድጊ ኣብ እትረግጾ
መሬት ጨርቂ ክንጸፈላ ቘጽልን ስየን ክጕስጐዘላ ርኢና፣ እወ ናይ ክርስቶስ መሕደሪ ዝኾኑ ኵላቶም ክብሪ ኣለዎም፣ብርእሶም
ኪኸብሩ ዝደልዩ ግና ክብሪ ኣይረኽቡን። ናይ ክብሪ በዓል ቤት ክርስቶስ ዝሓደሮም መንፈሶም ዝተሰብረ ቅዱሳን ግና ክብሪ
ኣለዎም፣ ንሱ ናይ ቅዱሳን ክብሪ እዩ እሞ ከነኽብሮም ኢና።"ሆሳእና! ሆሳእና! ሆሳእና!
ስብሓት ንእግዚአብሔር
No comments:
Post a Comment