Thursday, April 14, 2016

7ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም    “ኒቆዲሞስ
ሰያሚኡ ቅዱስ ያሬድ እዩ። በዚ ዕለት ሓለቓ  ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ ኢየሱስ  ብለይቲ እናመጸ ይመሃር ከምዝነበረን ጐይታ ድማ ብዛዕባ ዳግማይ ልደት ከምዝመሃሮን አብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ ሠለስተ ዘሎ ጽሑፍ እናጠቐሰ ቅዱስ ያሬድ ስለዝዘመረ "ኒቆዲሞስ" ተባሂላ።
"ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ:  ኣመከርከኒ ወኢተረክበ ኣመጻ በላዕሌየ:  ከመ ኢይንብብ ኣፉየ  ግብረ ዕጓለእመሕያው"
"ንልበ "ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ:  
            ኣመከርከኒ ወኢተረክበ ኣመጻ በላዕሌየ:  
           ከመ ኢይንብብ ኣፉየ  ግብረ ዕጓለእመሕያው"
"ንልበይ ተዓዚብካዮ፣  ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ 
ካብ ኣፈይ  ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቘሪጸ  እየ" መዝ 173
ወንጌል፣ ዮሐ. 3፣1-20, ቅዳሴ፣ ቅዳሴ ማርያም ()ንባባት: ሮማ. 7፣1-19፣  1ዮሐ. 4፣18-ፍ፣  ግ.ሐ. 5፣34-ፍመዝ 173




      ኒቆዲሞስ
ኒቆዲሞስ ፈላጥን ናይ ኣይሁድ መምህርን ነበረ፣(ዮሐ 310) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቤት መቕደስ ብዝገበሮ ተኣምራት  ድማ ተማሪኹ ነበረ።(ዮሐ 213-23) ኒቆዲሞስ ንፈሪሳውያን ብምፍራህን ሓለቓ ኣይሁድ ስለዝነበረውን ምስቲ ኣይሁድ ዝቃወምዎ መሲሕ እንተ ተራእዩ ክቃወምዎ ስለዝኽእሉ ብለይቲን ብጸልማትን እምበር ብመዓልትን ብብርሃንን ናብ መሲሕ ክርስቶስ ክኸይድ አይከኣለን።
በዚ ምኽንያት ድማ ናብቲ ብርሃን ክርስቶስ ብለይቲ መጸ። ድሒሩውን ብዕለተ ዓርብ ፀሓይ ምስ ጸልመተ፣ መዓልቲ ብጸልማት ምስ ተዋሕጠ፣ ናይ መሲሕ ሥጋ ንምቕባር ብጸልማት ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸይድ ንርኢ።( ዮሐ 1938) እቲ ብለይቲ ዝተማህሮ ትምህርቲ ልቡ ተንኪፍዎ ስለዝነበረ፣ ኣይሁድ ትምህርትን ተኣምራትን ክርስቶስ ኪቃወሙ ከለዉ ንሱ ግና ንክርስቶስ ይድግፍ ነበረ።( ዮሐ 7፣50-51)
ኒቆዲሞስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ ከዘራረቦ ቀረበ። ተአምራቱ እኳ እንተ ኣመነ ኣምላኽነቱ ግና ኣይተቐበለን ነበረ። ኒቆዲሞስ ትንቢት ነቢያት ናይ ምንባብ ዕድል ዝነበሮ ሰብ ዋላ ይኹን፣ ትምህርቲ ክርስቶስ  ምእማንን ምቕባልን ብዘይምኽኣሉ፣ ጐይታና"ንስኻ መምህር እስራኤል ከሎኻ እዚ ነገር እዚዶ ኣይትፈልጥን" ኢሉ ወቐሶ፣ ብዘይምፍላጡውን ተደነቐ፣ ኣምላኽነቱን መምህርነቱን ድማ ገለጸሉ።(ዮሐ 1313-15 ማቴ 238) መምህርን አምላኽን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ መድኃኒ ዓለም ምዃኑውን ገለጸሉ።( ዮሐ 32, 14-18) 
ኒቆዲሞስ ኣብ ኦሪት ናይ መርገም ምልክት ከምዝኾነ ብዝፈልጦ መስቀል በረኸት ከምዝመጽእ ናይ ኣስራዚ ተመን ታሪኽ ጠቒሱ ጐይታ ተዛረቦ።( ዘኁ 218 ገላ 313 2ቆሮ 521)
ካብ ትምህርቲ ጐይታ ንኒቆዲሞስ ካብ ዝኸበዶ ነገር፣  ንወዲ ሰብ ዳግማይ ልደት የድልዮ ዝብል ነበረ። ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ ስለዝኾነ ሰብ  ግድን ካብ መንፈስ ክውለድ ኣለዎ  ኢሉ መድኃኒና ስለዝመሃሮ፣ ኒቆዲሞስ ምስቲ ዝፈልጦ ምድራዊ ልደት ብምምስሳል "ሰብከ ምስ ኣረገ ከመይ ኢሉ ናብ ከርሲ እኖኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይኽእል፧" በሎ። ጐይታ ግና "ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን" ብምባል  ወዲ ሰብ ብጥምቀት ወዲ እግዚአብሔር ከምዝኸውን ተዛረበ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ከምዝመሃረና፣ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምውራስ ግድን ዳግማይ ልደት የድሊ እዩ። ሰብ ካብ ወለዱ ከይተወልደ ኣብዚ ዓለም ክነብር ከምዘይክእል ከምኡ ድማ  ካብ እግዚአብሔር ዘይተወልደ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ክነብር ኣይክእልን።
ሰብ ብኣምሳል እግዚአብሔር እኳ እንተ ተፈጥረ፣ ብኃጢኣት  ብምውዳቑ፣  ሓሳብ ሰይጣን ብምቕባሉ ውሉድ እግዚአብሔር ምዃን ሓዲጉ  ውሉድ ሰይጣን ኮይኑ እዩ። ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ብሰንኪ ኣዳም ኣብ ትሕቲ ሞት ዝወደቐ መዋቲ ብምዃኑ ብሕይወት ንምንባር መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምውራስ፣ ብወንጌል ብጥምቀት ብእምነት ግድን ካብ እግዚአብሔር ክውለድ ኣለዎ።
ክቡር ኣንባቢ፣ ካልኣይ ምውላድ ናይ ኣረጊት ሰብነት ጠባይን ባህርይን ሓዲግካ ሓዲስ ሰብ ክርስቶስ ምልባስ ግድን እዩ'ሞ ድኹም አዳማዊ ባህርይኻ ብቓሉ ሰዓር፣ ብኃጢኣት ዝኣረገ ሰብነትካ ቀንጢጥካ ኣእምሮኻ ብምሕዳስ ካብ ክርስቶስ ተወለድ፣ ዘለዓለማዊ ርስቱ ክትወርስ ውልዱ ኹን፣ እግዚአብሔር ውልዱ ክትከውን ጸዊዑካ እዩ'ሞ፣ ተወሊድካ እንተ ኴንካ ውልድነትካ አይተባኽን፣ ነቦኻ መሲልካ ንበር፣ ነቦኡ ዘይመስል ውሉድ ኣጠራጣሪ እዩ'ሞ ብኹልንትናኻ ንክርስቶስ አቦኻ ምሰል።
                               ስብሓት ንእግዚኣብሔር

No comments:

Post a Comment