Friday, April 8, 2016

6ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም    “ገብርኄር

ሰያሚኡ ቅዱስ ያሬድ ክኸውን ከሎ በዚ ዕለት  ብዛዕባ  ቅኑዓት ኣገልገልቲ፣ ንኣገልገልቲ ዝወሃብ ጸጋ፣ ዓስቢ አገልገልቲ "ገብርኄር" እናበለ ጸጋ ዝህብ  እግዚአብሔር ምኳኑ የመልክት።
ቅድስቲ ቤተክርስቲያን፣  ቅኑዓት አገልገልቲ አብ  መጨረሽታ  ካብ እግዚአብሔር ውዕለቶም ከምዝቕበሉ እናሓሰበት ነዚ ዕለት ትዝክሮ።
ናይዚ ዕለት ኣርእስቲ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፣ "መኑ ውእቱ ገብርኄር" እሙን  አገልጋሊ መን እዩ ዝብል እዩ።
" ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማሕበር ዐቢይ"
"አምላኸየ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ ጽድቅኻ አብታ ዓባይ ማሕበር አበሰርኩ።"(መዝ 408-9)
ወንጌል፣ ማቴ. 25፣14-31, ቅዳሴ፣ ባስልዮስ ()ንባባት: 2ጢሞ. 2፣1-16፣ 1ጴጥ. 5፣1-12፣ ግ.ሐ .1፣6-9


" ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ ማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማሕበር ዐቢይ"

"አምላኸየ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ ጽድቅኻ አብታ ዓባይ ማሕበር አበሰርኩ።"(መዝ 408-9)
ወንጌል፣ ማቴ. 25፣14-31, ቅዳሴ፣ ባስልዮስ ()ንባባት: 2ጢሞ. 2፣1-16፣ 1ጴጥ. 5፣1-12፣ ግ.ሐ .1፣6-9
 እሙን አገልጋሊ መን እዩ?
ሓደ በዓል ጸጋ  ናብ ርሑቕ ሃገር ኺገይሽ ምስ ሓሰበ፣ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ፣ ንነፍስ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፣ ንሓደ ሓሙሽተ፣ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፣ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ  መክሊት ዝተቐበለ ብኡብኡ ኸይዱ ነገደሉ፣ ካልእ ሓሙሽተ መኽሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ እቲ በዓል ክልተ ኻልእ ክልተ ረብሐ።  እቲ ሓንቲ መኽሊት ዝተቐበለ ግና  ኣብ ስራሕ ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ውሽጢ ልቡ ስግኣት፣ ጥርጥር፣ ፍርሓትን ዘይምትእምማንን ስለዘሕደረ፣ ክሰርሓሉ ከለኹ እንተ ጠፍኣኒ ኸ? እንተ ሰረቑንስ? እናበለ ብምሕሳብ: ኣቐሚጠያ ጸኒሐ ጐይታ ምስ መጸ እታ ዝሃበኒ ዘይመልሰሉ ኢሉ ከይዱ፣ ምድሪ ኵዒቱ ወርቂ ጐይታኡ  ሓብአ።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታ እቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ።
እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ መጺኡ "ጐይታይ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፣ እንሆ ድማ ኻልእ  ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ::” እናበለ ዓሰርተ መክሊት ንጐይታኡ ሃቦ። ጐይታኡ ድማ "ጽቡቕ! ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ አብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፣ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ" በሎ።
እቲ ኽልተ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ "ጐይታይ! ክልተ መኽሊት ሃብካኒ፣ እንሆ ኸኣ  ኽልተ ኻልእ  መክሊት ረባሕኩ" እናበለ ኣርባዕተ መክሊት ንጐይታኡ አረከቦ። ጐይታኡ ድማ "ጽቡቕ! አታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ  ክሸመካ እየ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ" በሎ።
እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ፣ ሕማቕ ቃላቱ መሪር እዩ፣ ስንፍና ኣካላት ጥራይ ዘይኮነ ኣእምሮኡ'ውን ሰነፍ እዩ። "ጐይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮ'ውን እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ፣ ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ፣ ነቲ መኽሊት ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፣ ሕጂ ኸኣ እንሆ ገንዘብካ::" በሎ::  ጐይታኡ ግና " ኣታ ኽፉእ ሃካይ አገልጋሊ! ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፣ ዘይበተንክዎ ከምዝእክብ እምበኣር ትፈልጥ ኔርካ፣ ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ከተእትዎ ምተገብኣካ ነይሩ፣ ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። እምበኣርከስ ነቲ መኽሊት ካብኡ አግዲፍኩም ነቲ ዓሰርተ መኽሊት ዘለዎ ሃብዎ። ምኽንያቱ ድማ ንዘለዎ ዘበለ ኵሉ ይህብዎ፣ ይውስኽዎውን፣ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኺኸውን እዩ"።

እዚ ብምሳሌ ዝተዋህበ ናይ መድኃኒና ክርስቶስ ትምህርቲ፣ ትርጉሙ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ናይቲ ንብረት በዓል ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ሰለስተ አገልገልቲ ምሳሌ ናይ ዝተፈላለየ ጸጋ ዝተዋህቦም ሕዝበ ክርስቲያን እዮም። ውህበት ብኣሃዝ ክርአ ከሎ ፍልልይ ምህላዉ፣ ሓደ ጸጋ ካብ ካልእ ጸጋ ከምዝፈላለ የርኢ።
ናይ ኣገልገልቲ ባህርይ
1) ናይቲ ቀዳማይን ኻልኣይን ኣገልገልቲ መንፈስ ክልቲኦም ሰሪሕካ ምርካብ ከምዝከኣል ዝኣምኑ፣ ንጐይታኦም እሙናት፣ አብ ስራሕ ንዘጋጥሞም ሽግር ብምሕሳብ ጊዜኦም ዘየጥፍኡ፣ እዮም። እቲ ካልኣይ ኣገልጋሊ ስለምንታይ ከምቲ ቀዳማይ ኣገልጋሊ ሓሙሽተ ዘይተዋህበኒ ኢሉ ከይኮረየ ብዝተዋህቦ ጸጋ ዝሰርሕ እዩ። በዓል ሓሙሽተ፣ ሓሙሽተ ብምርባሕ፣ በዓል ክልተ፣ ክልተ ብምርባሕ፣ ተመሳሳሊ ትግሃት ዝተራእዮም እሙናት አገልገልቲ እዮም። ዓስቦም ድማ ማዕረ እዮም ረኺቦም። ንኽልቲኦም ዝተዋህበ ናይ ክብሪ ስም ሓደ እዩ፣ "ገብርኄር"(እሙን ኣገልጋሊ) ዝብል፣ ዝኣተዉዎ ናይ ክብሪ ስፍራውን ሓደ እዩ። ንሱ ድማ "ናይ ጐይታና ሓጐስ" እዩ። ክልቲኦም ብውሑድ ዝተኣምኑ ነበሩ፣ ብወሃቢ መንጻር ክርአ ከሎ ውሑድ ነበረ። ሰብ ብዝተዋህቦ ጸጋ ከየዕዘምዘመ   ንፈጣሪኡ ምስ ዘገልግል ክብሪ ይረክብ። ንወዲ ሰብ ዝጠቕሞ  ከእለቱ፣ ጸጋኡ፣ ምጽብጻብ ዘይኮነ፣ ብዝተዋህቦ ጸጋ ምግልጋል እዩ። እዞም ኣገልገልቲ ብሓቂ፣ ብፍቕሪ፣ ብእምነት ዘገልግሉ ናይ ቤተክርስቲያን ኣገልገልቲ  የመልክቱ።
2)ናይቲ ሣልሳይ አገልጋሊ ባህርይ፣ ጽቡቕ ጎኑ ውህበት አውሒዱለይ  ዘይምባሉ እዩ። ብርግጽ ድኽመቱ ስለዝፈልጥ ይኸውን። እዚ ሰብ ካብቲ ስራሕ  ንላዕሊ ኣብ ጊዜ ስራሕ ዝፍጠር ሽግር ኣቐዲሙ ይርኣዮ( ናይ ድኹማት ኣተሓሳስባ) ክረብሕ ዘይኮነስ ኪኸስር ጥራይ እዩ ዝርኣዮ። ነታ ሓንቲ ክልተ ኪገብራ ዘይኮነ፣  ነታ ዘላቶ ኬጥፍኣ እዩ ዝርኣዮ። አብ ቅድሚ ጐይታኡ ከምቶም ኣሕዋቱ መክሊቱ ትርፊ ሒዙ ቀሪቡ ክሽለም ዘይኮነስ፣  መክሊቱ ጠፊኣቶ ንጐይታኡ ዝመልሰሉ ክስእን ይረኣዮ። ንዝተዋህቦ መክሊት ንጅባኡውን ስለ ዘይኣመነ  አብ መሬት ፍሒሩ ቀቢርዋ። ብሓፈሻ እምነት ዝጎደሎ ሰብ እዩ። ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ቀሪቡውን እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ዘይተዛረብዎ  እዩ ተዛሪቡ። "ጨካን ምዃንካ ስለ ዝፈለጥኩ ከይጠፍኣኒ ኢለ መክሊትካ ኣቐመጥኩዋ፣ እንሆ ገንዘብካ ውሰድ" እዩ ዝበለ።
 ሰነፍ ጽቡቕ አይዛረብን፣ ኮፍ ኢሉ ድማ ክፍኣት ካብ ምውራይ አየዕርፍን።
ሎሚውን ኮፍ ኢሎም ክፍኣት ዘውርዩ፣  ጸጋ እግዚአብሔር ዝቐበሩ፣ እንተ ምሂረ መናፍቕ ተኻቲዑ እንተ ረትዓኒ ኸ?  ነቲ ዝፈልጦ ሓቂ ክሰብኽ ምስ ጀመርኩ እንተ ኣቃለሉኒ ኸ? ኣብ ቤተክርስቲያን፣ ዝተፈላለየ ቦታታትን ዕዳጋን ንኃጥኣን ምስ ዝቃወም እንተ ጸልኡኒ ኸ?  እንታይ ኣእትዩኒ ትም ኢለ ከይሰራሕኩ  ደመወዘይ  ዘይበልዕ ኢሎም ዝነብሩ ብዙሓት ኣገልገልቲ አለዉ። ናይዚ ሰብ ጸገሙ መክሊቱ ሓንቲ ምዃና ዘይኮነስ፣ በታ ዝተዋህበቶ ዘይምስራሑ እዩ።
እዚ በዓል ሓደ መክሊት ሰብ፣ ዋላ' ኣብ ትሕቲ እታ ኣማናዊት ቤተክርስቲያን ይፈጠር፣ ኢድ ኮይኑ ዘይድህስስ፣ ዓይኒ ኮይኑ ዘይርኢ እግሪ ኮይኑ ዘይከይድ እዝኒ ኮይኑ ዘይሰምዕ….አካለ ስንኩል እዩ፣ ዘይፈሪ ጨንፈር ድማ ኣካል ክርስቶስ ኮይኑ ኪቕጽል አይክእልን።
ኵሉ ሰብ ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣሚኑ ከገልግል ይግብኦ። በዓል ክልተ ብበዓል ሓሙሽተ፣ በዓል ሓደ ብበዓል ክልተ ክቐንእ አይባእን። ኵሉ ሊቀ ጳጳስ፣ ጳጳስ፣ ቀሺ፣  አይከውንን፣ ኵሉ ብዝተዋህቦ ጸጋ ምስ ዘገልግል ግና፣ ሓቀኛታት ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳሳትን ካህናትን ዝረኽብዎ ዓስቢ ይረክብ። ኵሉ  ነቢይ፣ ወንጌላዊ፣ ዘማሪ፣ ገባሪ ተኣምራት ክኸውን አይክእልን። ንነፍስ ወከፍ ዝተፈላለየ ጸጋ አለዎ። ኵሉ በብጸጋኡ እንተ ኣገልጊሉ ዓስቡ ክረክብ እዩ።
ሓወይ ንስኻኸ ጸጋኻ እንታይ እዩ? ሓፍተይ ንስኺ ጸጋኺ እንታይ እዩ? ካብ አየኖት ሰብ መኽሊት ኢኹም? ጸጋኹም ብግቡእ ትፈልጡ ዲኹም? ኵሉ ሰብ ኣካል ክርስቶስ እዩ፣ ናይ ስራሕ ብጽሒት ዘይብሉ ኣካል ድማ የልቦን። ንስኻ ኣካል ክርስቶስ ኢኻ/ ንስኺውን ኣካል ክርስቶስ ኢኺ፣ ኣካሉ ብምዃንኩም ድማ ጸጋ ኣለኩም። ስለዚ ሎሚ ብጽሒትኩም ፈሊጥኩም ግቡእኩም ፈጽሙ፣ ክሳዕ ሎሚ ዕለት ዘይትሰርሑ እንተ ጸኒሕኩም ሕጂ ጀምሩ። ብዓቕምኹም ኣገልግሉ፣ ወንጌላዊ እንተ ኴንካ  ብጊዜኡን ብዘይግዜኡን ስበኽ፣ በዓል ሞያ እንተኴንካ ብሞያኻ ንቤተክርስቲያን ኣገልግል፣ ሃብታም እንተ ኴንካ መጽውት፣ መምህር እንተ ኴንካ  መሃር፣ መዘምር እንተ ኴንካ  ዘምር፣ ጸሓፊ እንተ ኴንካ ጽሓፍ፣ ኵሉ ዐዕዮኡ ይግበር።
ከምቲ በዓል ሓደ መክሊት ከምዚ እንተ ኾነ ኸ? ከምዚ እንተ በሉኒ ኸ? ከምዚ እንተ ኣጋጠመኒ ኸ? እናበልና ጊዜናን ዕድሜናን ኣይነባኽን። ብምጥርጣር ክፉእን ክሳራ እምበር ጽቡቕ መኽሰብን  አይርከብን፣ እምነት ብምጉዳል ካብ ኣገልግሎት አይንቆጠብ። መከራ ይምጻእ፣ ሞት ይምጻእ፣ ጽቡቕ ኮነ ክፉእ ይከሰት ናይ ጽባሕ ዝፈልጥ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ሰብ ኪጸልአኒ እዩ፣ ሰብ ኪብለኒ እዩ ጽባሕ ሽግር ኬጋጥመኒ እዩ ኢልና፣ ፈተናን መከራን ፈሪሕና ኣገልግሎትና አይነቋርጽ።
ከም ነቢይ ነህምያ "ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ፣ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና" ንበል። (ነህ 220) ንኣገልግሎት ንተንስእ ከምቶም ክልተ ኣገልገልቲ ኪቐንዓና እዩ። ቃሉ ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ንዝርኣዮ ኪብቍለልና እዩ፣
ሓረስታይ ከማን " ካብ ኣዕዋፍ ኣእላፋት ኣብልዓኒ" ኢሉ ብእምነት እኽሉ አብ በረኻ አብ ግራቱ ዘሪኡ ብዙሕ ምህርቲ ከምዝሓፍስ ተፈጥሮ ይምህረና እዩ። ሓረስታይ ዝዘራእክዎ እንተ ዘይበቖለ ኸ፣ ኣዕዋፍ እንተ ለቐማኦ ኸ፣ በላዕቲ እንተ በልዕኦ ኸ፣ ኢሉ  እንተ ዝሓስብ ነይሩ  እኽሉ ኣይምዘርአን፣ ምህርቲውን አይምሓፈሰን።
ሎሚ ንሕና ነዞም እሙናትን ሕያዎትን ኣገልገልቲ ብእምነት ንምሰሎም፣ ዓስብና ክንቅበል ብፍቕርን ብእምነትን ነገልግል፣ ክንጭነቐሉን ክንቀብሮን ዝተዋህበና ጸጋ የልቦን፣ እንረብሓሉ እምበር ዘኽስረና ጸጋ አይተቐበልናን እሞ፣ ከምቲ ክፉእ ሃካይ አገልጋሊ ክሳራ ዘይኮነ ትርፊ፣ ሞት ዘይኮነ ሕይወት፣ ውርደት ዘይኮነ ክብሪ እናሓሰብና ከነገልግል ይግበኣና።
" ወደይ በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎካ ጸጋ ደልድል። ነቲ አብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ነገር- ካልኦ ክምህሩ ንዚከኣሎም እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም።" (2ጢሞ 21-3)
"ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ። እንተኾነ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ አይኹን፣ ብጽቡቕ ድላይ እምበር  ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን:እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ  ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትቅበሉ ኢኹም።
(1ጴጥ 51-3)
"--መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና ኃይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም"(ግሐ 16-9)
" መኑ ውእቱ ገብርኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሰይሞ ዲበኩሉ ንዋዩ ወይቤሎ እግዚአብሔር ገብርኄር ወምእመን ዘበውሁድ ምእመነ ኮንከ ባዕ ውስተ ፍስሐሁ ለእግዚእከ"( መዝሙር ቅዱስ ያሬድ)
" ኩኑ እንከ ከመ ኣግብርት ኄራን ወከመ ኣግብርተ ክርስቶስ ምእመናን እለይጸንሑ እግዚኦሙ እስከየኣቱ እምከብካብ ዘበሰማያት"
"ንስኻትኩም ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ክሳዕ ዝምለስ ዚጽበይዎ እሞ፣ መጺኡ ኳሕኳሕ ምስ ኣበለ፣ ብኡብኡ ዚኸፍትሉ ሰባት ኵኑ።( ሉቃ 1235-37)
“ከመ ገብርኄር ለእግዚአብሔር ተቀነዩ በኩሉ ጊዜ ወበኩሉ ሰዓት፣ በኩሉ መዓልት ወበኩሉ ሌሊት፣ ጹሙ ወጸልዩ በንጹህ ልብ ወኣክብሩ ሰንበተ፣ ለቢጽክሙ ሠናይ ሀልዩ አብ ይሄሊ በእንቲኣክሙ፣ ወኣግእዝዋ እምኃጢኣት ለነፍስክሙ።"

ከምቲ እሙን ኣገልጋሊ ንእግዚአብሔር ተገዝኡ፣ ብኵሉ ጊዜን ሰዓትን ብመዓልትን ብለይትን፣ ብንጹህ ልቢ ጹሙ፣ ጸልዩ፣ ብቕንዕና ሰንበት ኣኽብሩ፣ ንብጾትኩም ጽቡቕ ሕሰቡን ግበሩን፣ እግዚኣብሔር ኣቦ ድማ ብዛዕባኹም ይሓስብ እዩ፣ ነፍስኹም ካብ ኃጢኣት ነጻ ኣውጽእዋ።

ብቅንዕና ከነገልግሎ እግዚኣብሔር ይሓግዘና!
      ስብሓት ንእግዚአብሔር!

No comments:

Post a Comment