5ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም፣ “ደብረ ዘይት”
እዛ ዕለት “ደብረ ዘይት” ትብሃል። ሰያሚኣ ከምተን ቀዳሞት ሰናብቲ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፣ በዛ ዕለት መድሓኒና
ኢየሱስ ክርስቶስ ብግርማ መለኮት ብክበበ ትስብእት ብቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ ዳግማይ ከምዝመጽእ፣ መፈጽምታ ዓለም ከመይ ከምዝኸውን ጐይታ ንደቂ መዛሙርቱ አብ ደብረ ዘይት ምምሃሩን፣ ከምኡውን ብኽብሪ ዝዓረገ ጐይታ ነቶም ዝጽበይዎ
ዋጋኦም ነቶም ዘይተቐበልዎ ድማ ፍርዶም ክኸፍል፣
ስርዓት ምድሪ ክስዕር፣ ሰማይን ምድርን አሕሊፉ ንፍቑራቱ መንግስቱ ከውርስ፣
ንቅዱሳኑ ንብዓት አዕይንቶም ኪደርዝ፣ ንጻድቃን ክውድስ፣ ንሓጥኣን ክወቅስ ምምጻኡ እናሓሰበት
ቤተክርስቲያን ፈጣሪኣ ተምልኽ።
እግዚኣብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ እያረምም
እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።
"አምላኽና ኺመጽእ እዩ፣ ግናኸ ሰላሕ ኢሉ ኣይኮነን ዚመጽእ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ አሎ” መዝ 50፣3
ወንጌል፣ ማቴ፣ 24፣1-36,ቅዳሴ፣ ኣትናቴዎስ ()ንባባት:
1ተሰ.4፣13፣ 2ጴጥ.3፣7-15፣ ግ.ሐ.24፣1-22
እግዚኣብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ እያረምም
እሳት
ይነድድ ቅድሜሁ።
"አምላኽና ኺመጽእ እዩ፣ ግናኸ ሰላሕ ኢሉ ኣይኮነን ዚመጽእ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ አሎ” መዝ 50፣3
ወንጌል፣ ማቴ፣ 24፣1-36,ቅዳሴ፣ ኣትናቴዎስ ንባባት: 1ተሰ.4፣13፣ 2ጴጥ.3፣7-15፣ ግ.ሐ.24፣1-
|
እግዚአብሔር ወልድ ብግርማ መለኮቱ ዳግማይ ኪመጽእ እዩ፣
"ንጻድቃን፣አቱም ብሩኻት ናይ አቦይ ናባይ ንዑ፣" ኢሉ ኪጽውዖም።
ንሓጥኣን "አቱም ርጉማት ካባይ ርሓቑ" ኢሉ ከሰናብቶም።
አብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ማለት፣ ጻድቃን ዝድሕንሉ ሕይወት፣ ሓጥኣን ዚጠፍእሉ መዓት ኣብ ባህርይኡ አሎ ማለት እዩ።
ደብረ ዘይት ማለት፣ ኣታኽልቲ ኣውሊዕ ዘለዎ ቦታ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ካብ ኢየሩሳሌም ብምብራቅ ወገን ቝሩብ ኪሜ ርሕቕ ኢሉ ይርከብ። አብዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነገረ ምጽኣት ዝስበኸሉ ዕለት ስለዝኾነ ደብረ ዘይት ይበሃል። ጐይታ ኢየሱስ ካብ ቤት መቕደስ ወጺኡ አብ ዝኸደሉ ጊዜ፣ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቀሪቦም ዘሩባቤል ዘህነጾ ህንጻ ቤት መቕደስ እናኣርኣይዎ ከለዉ" ብሓቂ እብለኩም አለኹ፣ አብዚ ዘይፈርስ እምኒ አብ ልዕሊ እምኒ አይክተርፍን እዩ" በሎም። ድሕሪኡ ምዕናው ኢየሩሳሌምን ዳግማይ ምጽኣቱን አስፊሑ ምስ ምልክታቱ መሃሮም።
ኅልቀት ዓለምን ምልክታት ምጽኣት ኽርስቶስን፣
1-ብዙሓት አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ፣ ብስም ክርስቶስ ኪመጹ እዮም :ንብዙሓት ከስሕቱ እዮም። ማቴ፣ 24፣4-5።
2- አብ
ኵሉ ዓለም ውግእን ወረ ውግእን ኪኸውን እዩ። ኩሉ ፍጥረት ወረ ውግእ ክሰምዕ ግድን እዩ፣ አብዚ ጊዜ ግና፣ ክርስቲያን ምጽኣት ክርስቶስ ክጽበዩ ደኣምበር ክፈርሑ፣ ክድንግጹ፣ ክሽበሩ አይግባእን። (ማቴ፣ 24፣6)
3-ሕዝቢ አብ ልዕሊ ሕዝቢ፣ መንግስቲውን አብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል እዩ። (ማቴ፣
24፣7)
4- ኣብ ኵሉ ቦታታት ረሃብን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ኵሉ መጀመርታ ቅልውላው እዩ። ማቴ፣ 24፣8
5- ኣብቲ
ጊዜ እቲ፣ አመንቲ ክርስቶስ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪወሃቡ፣ ኪቕተሉ፣ ስለ ስም ክርስቶስ ብኹሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ኪኾኑ እዮም።( ማቴ፣
24፣9)
6-አብቲ ጊዜ እቲ፣ ብዙሓት ኪዕንቀፉ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡን ንሓድሕዶም'ውን ኪጻልኡን እዮም።(ማቴ፣ 24፣10)
7-ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ኪትንስኡ፣ ንብዙሓት'ውን ኬስሕቱ እዮም። ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከአ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድሕን እዩ።( ማቴ፣
24፣11-13)
8-ንኹሎም ኣሕዛብ ምስክርነት ምእንቲ ኪኸውን እዚ ወንጌል መንግሥት’ዚ አብ ምሉእ ዓለም
ኪስበኽ እዩ። ሽዑ መወዳእታ ኪኸውን
እዩ። ( ማቴ፣ 24፣
14)
9-አብቲ ሰዓት እቲ፣ እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት አብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ፣ ክፉእ ድያብሎስ አብ ሓሳዊ መሲሕ ሓዲሩ ዝተቐደሰ ኬርክስ፣ ዝተሃንጸ ኬፍርስ እዩ ሽዑ እቲ ዜንብብ የስተውዕል።( ማቴ፣24፣15)
10-ኣብቲ ጊዜ እቲ፣ ኣብ ከተማ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ፣ እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺማላእ አይውረድ፣ አብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት አይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና፣ ኃጢኣት ንዝጠነሱ፣ ክፍኣት ወሊዶም ንዘዕብዩ ወይልኦም። ኵላትና ህድማና ብክረምቲ ( አመንቲ ንመስል ግና ብዘይፍረ)፣ወይ ድማ ብሰንበት ( ኣዕሪፍና ከለና ግብሪ ጽድቂ ዳሓር ቀስ ኢለ ከርክበሉ እየ) ኢልና ካብ ግብሪ ጽድቂ ኣዕሪፍና ከለና ከይከውን፣ ኣጥቢቕና ክንጽልን ክንነቅሕን ይግባእ።
ምኽንያቱ አብቲ ጊዜ እቲ፣ ዓለም ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ዘይኮነ ድሕሪ ሕጂ'ውን ከቶ ዘይከውን መከራ ብርቱዕ መከራ ኺወርድ እዩ። እተን መዓልታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ኵሉ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን።(ማቴ፣ 24፣ 17-28፟)
ሽዑ ዝኾነ ሰብ
"ክርስቶስ አብዚ አሎ"ወይስ "አብቲ አሎ "እንተ በሉኹም ኣይትእመኑ፣ ምኽንያቱ ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ኪለዓሉ እዮም። እንተ ተኻእሎምስ ነቶም ኅሩያት ከይተረፈ እኳ ንምስሓት ዓቢይ ምልክታትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።
11- ምስላኡ ካብ ኦም በለስ ተመሃሩ፣ ማለቱ፣ ምልምላም ኦም በለስ ዝተባህለት እስራኤል እያ፣ ሃገር እስራኤል አብ 70 ዓ/ም ብጥጦስ(ቲቶ) ዝተባህለ መራሒ ናይ ግዝኣት ሮማ ኢየሩሳሌም ምስ ዓነወት፣ ክሳብ 1947 ዓ/ም ከምብሓድሽ ትቐውም፣ ንከባቢ 1877 ዓመታት ዝኣክል አብ ዓለም ጠፊአ ጸኒሓ፣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እስራኤል መንግስቲ አቍማ፣ ፋሕፋሕ ኢሎም ዝነበሩ አይሁድ ተአኻኺቦም፣ ድሮ እምነት ክርስትና ኽቕበሉ ጀሚሮም አለዉ፣ እምበኣር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽኣቱ ከምዝቐረበ ካብ ዝጠፍአት እስራኤል ከምብሓድሽ ክትቀውም ምስረኣኹም ፍለጡ።(ማቴ፣24፣32)
ድሕሪኡ ንሕና ብዘይንፈልጦ ጊዜን ሰዓትን እግዚአብሔር ወልድ ብክበበ ትስብትእ ብግርማ መለኮቱ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ብደመና ኪመጽእ እዩ።
ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኺርእይዎ እዮም፣ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩ እዮም። (ራእ፣1፣6-7)
ጻድቃን ንሕይወት ብየማኑ፣ ኃጥኣን ንኵነኔ ብጸጋሙ፣ ይቖሙ። ማቴ፣25፣ 31-46፣ ንጻድቃን ኣቱም ብሩኻት ናይ አቦይ ንዑ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ውረሱ ይብሎም። ንኃጥኣን ድማ አንቱም ርጉማት ካባይ ርሒቕኩም ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኺዱ። ኢሉ የሰናብቶም።
v ናይ ሓዘንን ናይ መከራን ዘመን የብቅዕ፣ ብሓዘን ዝተታሕዘ ናይዚ ዓለም ሥርዓት ይሰዓር። (ራኢ፣
21፣4፤ 21፣15-17)
v ብዘይምብስባስ ብኽብሪ፣ ብኃይሊ፣ ብመንፈሳዊ ኣካል ንሞት ስዒሮም ይትንስኡ
(1ቆሮ፣ 15፣42-45)
v ጐይታ ኢየሱስ ንምቕባል ብደመና ሰማይ ይለዓሉ፣( 1ተሰ፣4፣16-17)
v ንጐይታ ኢየሱስ ገጽ ንገጽ ይርእይዎ(1ቆሮ፣13፣12፤ ራኢ 1፣7፤ ራኢ 22፣4)
v ኵልንትናኦም ይሕደሱ: ራኢ፣22፣5):ነቲ ዝረኣይዎ ጐይታ ክርስቶስ ንምምሳል ይልወጡ።(1ዮሐ፣3፣2)
v ብቅድስናን ብጽድቅን ማዕሪጎም ናብ መርዓ እቲ ገንሸል ይኸዱ።( ራኢ፣19፣8-9)
v ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ይወርሱ።(ማቴ፣25፣34)
v ብኢድ ሰብ አብ ዘይተሰርሐት ኣብ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ብሓጎስ ይነብሩ።( ራኢ፣21፣2-3) ( 2ቆሮ
5፣1-2፤ ዮሐ 14፣2-3)
v ኣኽሊል ዓወት ዓስቦም ይቕበሉ።(ራኢ፣22፣12፣ ዳን፣12፣3፤ 2ጢሞ 4፣2-3፤ 1ቆሮ
9፣25፤ 1ጴጥ
5፣4፤ ፊሊጵ 4፣1፤ 1ተሰ 2፣19)።
v ኣብ ግንባሮም ስም መድሓኒኦም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጸሓፍ።(ራኢ 22፣4፤ ራኢ 4፣3-12)
v እግዚአብሔር ናይ ዘለዓለም አምላኽን አቦን ይኾኖም፣ ንሳቶም ድማ ደቁ ይኾኑ።( ራኢ
21፣3-9)
v ድሕርዚ ለይቲ ዝበሃል የለን፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ አብ ልዕሊኦም የብርህ፣ ጸሓይ አይተድልዮምን፣ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ይነግሱ።( ራኢ
22፣5)
መልእኽቲ፣
"---
እቲ ንኃጢአት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰቕለ ክርስቶስ፣ ኃጢኣት ኪጸውር ዘይኮነስ፣ ንምድኃን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ኪግለጽ እዩ።(ዕብ፣9፣26-28)
ቀዳማይ ምጽኣቱ፣ ሥጋ ብምልባስ መስዋዕት ኮይኑ ሰብ ንምድሓን ብፍጹም ትሕትና ናትና ውርደት ተቐቢሉ አብ መብልዕ ማል ብምውላድ ብሥጋ ድንግል ማርያም መጸ፣ ባህርይ ሰብ ብምልባስ ብዘይ ኃጢአት ኩሉ ፈጸመ፣ ጸርፊ አይሁድ ተዓጊሱ፣ ሕሙማትን ኃጥኣንን ንምድሓን አብዚ ምድሪ ተመላለሰ፣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት መታን ኬሰጋግረና ምእንታና ተገርፈ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ መርገምና ተሰኪሙ አብ መስቀል ተሸንከረ፣ ሞተ፣ አብ ሲኦል ብምውራድ ኣብኡ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰቢኹሎም አብ ሣልሳይ መዓልቲ ተንስኤ ናብ ሰማያት ዓረገ፣ አብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። እዚ ናይ ቀዳማይ ምጽኣቱ መከራ ንምቕባልን ንኣና ምድኃንን ኢዩ ነይሩ።
ዳግማይ ምጽኣቱ፣ ብግርማ መለኮት ብክበበ ትስብእት ብፍጹም ጐይትነትን ክብርን ብኣእላፋት መላእኽቱ ተዓጂቡ፣ ነቶም ብቀዳማይ ምጽኣቱ ዘይኣመኑን ዘይተቕበልዎን ኃጥኣን ዘለዓለማዊ ናይ ሞት ፍርዲ ኪፈርዶም፣ ነቶም ዝኣመንዎን ዝተቐበልዎን ምእመናን ድማ ዓስቢ ሰናይ ግብሮም ኪከፍሎም ብዘፍርሕ ግርማ፣ብደመና ሰማይ ኪመጽእ እዩ።
አብዚ እዋን ኃጥኣን ኪሓፍሩ፣ ጻድቃን ድማ ኪኸብሩ፣ ሞት ኪሰዓር ሕይወት ድማ ኪነግስ እዩ። ስርዓት እዚ ዓለም ኬብቅዕ እዩ። ምድርን ሰማያትን ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኪሓልፉ ከም ዘይነበሩ ከም ትኪ ኪበኑ እዮም። ኩሉ ፍጥረት በቲ ፈጣሪኡ ክርስቶስ ኢየሱስ ኪፍረድ ኢዩ፣
አቤት እወ አብቲ ጊዜ እቲ፣ ጻድቃን ሓዘኖም ናብ ሓጎስ ኪልወጥ፣ ንብዓቶም ኪድበስ፣ ናይ ሓጎስ መዝሙር ምስጋና ኪዝምሩ እዮም።
ኃጥኣን ድማ ሓጎሶም አብዚ ዓለም እዚ ስለዝወድኡ፣ ስሓቆም ናብ ብኽያት፣ ሓጎሶም ናብ ሓዘን ኪልወጥ እዩ፣ ዘየቋርጽ ንብዓት ከም ማይ ክረምቲ ኪፈስስ እዩ፣ ግናከ ዘይጠቅም ብኽያት እዩ።
ክርስቲያን አሕዋተይ አብቲ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታ ከይንሓፍር፣ ናብ ወጻኢ ጸልማት ከይንድርበ መታን ሎሚ ነፍስናን ነፍሲ ኣሕዋትናን ነድሕን፣ እዚ ጊዜ’ዚ ኣዝዩ ፈታኒ ከቢድ እዩ፣ ሰይጣን ከይብለጸልና ውዲቱ ንምፍሻል ብጸሎት ንንቃሕ፣ ዳሕራይ አብ ዘይንወጾ ጣዕሳ ከይንኣቱ'ሞ ኣብታ እተፍርሕ መዓልቲ ፍርድን ጣቓን ዘይጠቅም ንብዓት ካብ ምንባዕ ሃየ ስለ ኃጢአትና ሎሚ ንንባዕ፣ ጊዝያዊ ሓጎስ ዚዓብሰልና የብሉን እሞ፣ ዝሓለፈ በደልና ከይድገም እናተጠንቀቕና ብጸሎት ንንቃሕ፣ :
ዋላ ብዙሕ ኃጢኣት ንግበር ተስፋ አይንቁረጽ፣ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ሕይወትና እትፍለየላ ምንሳሕ አይነቛርጽ፣ ኣምላኽና መሓሪ እዩ፣ ተስፋና ምሉእ ይኹን።
ኦ! እግዚአብሔር ቅዱስ ኣምላኽና! አብ ዳግማይ ምጽኣትካ ከይንሓፍር ሎሚ ስለ ኃጢአትና ክንንሳሕን ክንነብዕን ከም ማርያም መግደላዊት ናይ ንስሓ ንብዓት ሃበና።
ኦ! እግዚአብሔር ቅዱስ ኣምላኽና! ብጥበብን ምስትውዓልን ክንመላለስ፣
ኣእምሮና ክፈቶ፣ ካባኻ ርሒቕና ዝኾብለልናዮ ዘመን ኬብቅዕ ከምቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ልብና ምለሰና፣ ብዙሕ ጊዜ በዲልናካን አላጊጽናልካን ኢና’ሞ፣ ከምቲ ንፍያታዊ ዘየማን ልማኖኡ ዝተቐበልካ አብታ እትመጽእ መንግስትኻ ዘክረና።
v እግዚአብሔር ጎይታ ሰራዊት ብሞት ዘይሰዓር ሕይወት ይሃበና። ኣሜን
No comments:
Post a Comment