Wednesday, July 20, 2016

ነፍሱ ገዲፉ ጊዚኡ አብ ወረ ዘሕልፎ ሰብ
 ከምቲ ዘይበስል ፈረ ወይኒ እዩ:
ምኽንያቱ ነፍሱ መጺጽ ህይወት እናሕለፈት ከላ ስለ ዘይግደሰላ።
ጊዜ መዲቡ  ምስ ነፍሱ ዘዕልል ሰብ ግና
 ከምቲ ዝበሰለ ፍረ ወይኒ እዩ
ጽምዋ ኮይኑኒ።
ምስ ሰብ እንከለኹ ጽምዋ ኮይኑኒ
ዘዕልል ስኢነ ሓደ ዘውግዓኒ
ቁሊሕ እንተ በልኩ ስኢነ ዝግደስ
ሥጋ ብሒታቶም ሥጋ እዛ መፍለስ።
ዋይ ዘመን ከፊኡ ሰብ ንሰብ ጨኪኑ
እንታይ ወሪድዎ  ኣካሉ ፈንፊኑ
ካን ድዩ ረሲዑኒ መሪጹ ንበይኑ
ማሕዩር ደስ ኢሉዎ ንነፍሱ ኮኒኑ።
መንፈሱ ዘይርጉ ጭንቀት ዝኸበቦ
በሊዑ ዘየትርፍ ብልዒ ዘየጽግቦ
ንቐደም ረሲዑ ባህሉ'ውን ገዲፉ
ጠምየ እናርኣየ ጎስዩኒ ሓሊፉ።
ሰብ ጫው እናበለ ጽምዋ ኣጥቂዑኒ
ጸሓይ ብህርሁሩ ጸልማት ከቢቡኒ
ንሥጋኡ ኣዕዚዙ ከይዱ ርሒቑኒ
ብሕይወት ከለኹ ፍርዲ ጀሚሩኒ።
 ዋይ'ዚ ሰብ ኪሓስም ቍሩብ ዘይድንግጽ
 እናረኣየኒ ብስቓይ ክርበጽ
 ነፍሱ እናጠፍአት ፍጹም ዘይዓጅቦ
 ጎደና ቀይሩ ንኣምላኽ ከይስዕቦ
ፍጥረቱ ረሲዑ ትርጉም ናይዛ ምንባር
ንሥጋኡ ኣዕዚዙ ጸሊእዎ ምሕባር
ተኹላ ኣሎ መንጣሊ ሰብ ግደፍ ተመለስ
በይንኻ ኣይጽቡቕን ዳሕራይ ከይትጠዓስ።
ስብሓት ንእግዚኣብሔር

JTK -018-07-16. 12 :05pm

No comments:

Post a Comment