ተወለድ
አብ ልበይ
ፍቓድካ
ካብ ኮነ ከተድሕን ህይወተይ
ክትመልሰለይ
ክብረይ ዝጠፍአ መንነተይ
ኣኺሉ
ጊዚኡ ክፍጸም ትጽቢተይ
ኣምላኸይ
ክርስቶስ ተወለድ ኣብ
ልበይ።
ክኾነልካ
መብልዕ ማል ዝተናዕቀ ስፍራ
ንኣኻ ዘይበቅዕ ዘይምችእቲ ክትነብራ
ቦታ ካብ ሰኣንካ ካብ መልአ ኣዳራሽ
ተወለድ ኣብ ልበይ ንጉሠይ ክርስቶስ።
ከይከውን ኣዳራሽ መአከቢ ኃጢኣት
ክፍኣት
ከይብሕተኒ ከይቕለብ ንብዓት
ጊዜ
ካብ ኣኸለ ናይ ልደትካ ሰዓት
ተወለድ
ኣብ ልበይ ኣምላኽ ጐይታ ጎይቶት።
ምስቶም መላእክት ሓቢረ ክዝምር
ካብ ድንግል መድኃኒ ተወሊዱ ክብል
ንዓለም ክእውጅ ብስራት ክነግር
ኣብ ልበይ ተወለድ ልሳነይ ክትምስክር።
ዕልል
በሉ ኣሕዋት ጐይታ ተወሊዱ
ናይ ዘመናት ምስጢር ሎሚ ተጋሂዱ
ሕጂ ንቀበሎ ልብና
ከይባዱ
ካብ
ሎሚ ንበገስ ነቕንዕ መገዱ።
ስብሓት ንእግዚአብሔር!
No comments:
Post a Comment