Thursday, January 5, 2017

ተወለድ አብ ልበይ
ፍቓድካ ካብ ኮነ ከተድሕን ህይወተይ
ክትመልሰለይ ክብረይ ዝጠፍአ መንነተይ
ኣኺሉ ጊዚኡ ክፍጸም ትጽቢተይ
ኣምላኸይ ክርስቶስ  ተወለድ ኣብ ልበይ።

   ክኾነልካ መብልዕ ማል ዝተናዕቀ ስፍራ
   ንኣኻ ዘይበቅዕ ዘይምችእቲ ክትነብራ
   ቦታ ካብ ሰኣንካ ካብ መልአ ኣዳራሽ
   ተወለድ ኣብ ልበይ ንጉሠይ ክርስቶስ።

 ከይከውን ኣዳራሽ መአከቢ ኃጢኣት
ክፍኣት ከይብሕተኒ ከይቕለብ ንብዓት
ጊዜ ካብ ኣኸለ ናይ ልደትካ ሰዓት
ተወለድ ኣብ ልበይ ኣምላኽ ጐይታ ጎይቶት።

  ምስቶም መላእክት ሓቢረ ክዝምር
  ካብ ድንግል መድኃኒ ተወሊዱ ክብል
   ንዓለም ክእውጅ ብስራት ክነግር
   ኣብ ልበይ ተወለድ ልሳነይ ክትምስክር።

ዕልል በሉ ኣሕዋት ጐይታ ተወሊዱ
 ናይ ዘመናት ምስጢር ሎሚ ተጋሂዱ
 ሕጂ  ንቀበሎ ልብና ከይባዱ
ካብ ሎሚ ንበገስ ነቕንዕ መገዱ።


ስብሓት ንእግዚአብሔር!

No comments:

Post a Comment