Wednesday, May 25, 2016

     እናፈለጥኩ እብድል
ዘይፈልጥ ከይከውን እናፈለጥኩ እብድል
ምፍታሕ ስኢነዮ ኮይኑኒ ኣሎ ግድል
ጽድቂ ከይውስኽ መሊሰ ዘጉድል
ዓይነይ እናርኣየ ዝኣቱ ናብ ገደል
ኣሕዋት ምኸሩኒ ንነፍሰይ ከይብድል
  ሥጋይ ተመንዩ ፍትወቱ ክፍጽም
  ስምዒተይ ገንፊሉ ናብ ኃጢኣት  ኪቀዳደም
   ሕልናይ ደኺሙ ዓቕሉ ጸቢብዎ
  ትምኒተይ ከይዓግት ሓይሊ ተሳኢንዎ
   ለባማት እንተ’ለኹም ገለ'ባ በልዎ።
ፈላጥ'የ እናበልኩስ  ዘይፈልጥ ደንቆሮ
ነፍሱ እናጠፍአት ፍጹም ዘይስቆሮ
ንሰባት ይምዕድ ነፍሰይ ዘይፈወስኩ
ለባም ተሰምየ ህይወተይ እናጥፋእኩ
ገለ'ባ በሉኒ እንተ ተመለስኩ።
    ጽድቂ ዘይሰርሓሉ እንታይ ክዓብሰለይ
    ብዙሕ ምምርማር ጥፍኣት ዘስዕበለይ
    ናተይ ዘይፈለጥኩስ ንሓወይ ዝሓሚ
    ፈላጥ ተባሂለስ ናይ ጥፍኣት ፈላሚ
    መጻእየይ ክጽብቕ ምኸሩኒ'ባ ሎሚ።
እምብዛ ፈኲሰ ስመይ ኰይኑ ሰነፍ
ይመስለኒ ነይሩ ዘይወድቕ ዘይጸድፍ
ለባም እንክጋገ መራግኢ ነይገድፍ
ኮይኑ ነገራቱ ረኺቡኒ መንደፍ

ምኸሩኒ'ባ ሎሚ ኣመለይ ክገድፍ።

No comments:

Post a Comment