እናፈለጥኩ እብድል
ዘይፈልጥ ከይከውን እናፈለጥኩ እብድል
ምፍታሕ ስኢነዮ ኮይኑኒ ኣሎ ግድል
ጽድቂ ከይውስኽ መሊሰ ዘጉድል
ዓይነይ እናርኣየ ዝኣቱ ናብ ገደል
ኣሕዋት ምኸሩኒ ንነፍሰይ ከይብድል።
ስምዒተይ ገንፊሉ ናብ ኃጢኣት ኪቀዳደም
ሕልናይ ደኺሙ ዓቕሉ ጸቢብዎ
ትምኒተይ ከይዓግት ሓይሊ ተሳኢንዎ
ለባማት እንተ’ለኹም ገለ'ባ በልዎ።
ፈላጥ'የ
እናበልኩስ ዘይፈልጥ ደንቆሮ
ነፍሱ
እናጠፍአት ፍጹም ዘይስቆሮ
ንሰባት
ይምዕድ ነፍሰይ ዘይፈወስኩ
ለባም
ተሰምየ ህይወተይ እናጥፋእኩ
ገለ'ባ በሉኒ እንተ ተመለስኩ።
ጽድቂ ዘይሰርሓሉ እንታይ ክዓብሰለይ
ብዙሕ ምምርማር ጥፍኣት ዘስዕበለይ
ናተይ ዘይፈለጥኩስ ንሓወይ ዝሓሚ
ፈላጥ ተባሂለስ ናይ ጥፍኣት ፈላሚ
መጻእየይ ክጽብቕ ምኸሩኒ'ባ ሎሚ።
እምብዛ
ፈኲሰ ስመይ ኰይኑ ሰነፍ
ይመስለኒ ነይሩ ዘይወድቕ ዘይጸድፍ
ለባም
እንክጋገ መራግኢ ነይገድፍ
ኮይኑ
ነገራቱ ረኺቡኒ መንደፍ
ምኸሩኒ'ባ ሎሚ ኣመለይ ክገድፍ።
No comments:
Post a Comment