Tuesday, May 24, 2016

ጸልዩለይ እባ!
ጸልዩለይ እባ፣ ኣሕዋት ምኸሩኒ፣
እናጠፍአ ሓውኹም ሸለል ኣይትበሉኒ፣
ምኽርኹም ለግሱለይ ሎሚ ምዓዱኒ፣
ምስ ሞትኩ R.I. P. እንተ በልኩም  እንታይ ክኾነኒ
  ከምዘይነበርኩ ቆራቢ፣ ሰጋዲ ጸላዪ
  ከምዘይነበርኩ ሰባኺ መዓዲ ኣላዪ
  ሎሚ ኮይነ በድኒ ናይ ጥፍኣት ኣሳሳዪ
  ኃጢኣት መሊኹኒ ናይ ሰይጣን ሰላዪ
እወ  ነይረ ነበር፣ ኣብነት ዝመስል፣
ቤተክርስቲያን ዝመላለስ ጽድቂ ከሰላስል
ሎሚ ግና ረሲዐዮ ንዓለም ክመስል
ጥዑም መሲሉኒ ኣብ ኃጢኣት ክዓስል።
    ኣታ ከማይ የለን ሃብቱ ዝተዘምተ
    ኣብ ሞኣብ ሰፊሩ ካብ ቤቱ ዝሸፈተ
    ህያው ምዉት ኮይነ ብደዉ ዝሞተ
   ብገዛእ ትምኒቱ ጥፍኣት ዝሸመተ።
ኵሉ እናፈለጥኩ ኮነ ኢለ በዳሊ
ምስትውዓል ስኢነ ህይወተይ ከይኣሊ
ነፍሰይ ከየድሕና ንስሓ ከይኣቱ
ምግዳስ ኣብየያ ርእየያ ከምዘይናቱ።
   እንታይ እየ ዝገብሮ እስከ ምኸሩኒ
    ካብዚ ታኼላ ክወጽእ፣ ጸልማት ከይውሕጠኒ
    ደንግጹለይ እባ ኣሕዋት ምኽርኹም ሃቡኒ
    ኃውኹም እናጠፋእኩ ትም ኢልኩም ኣይትርኣዩኒ።
ጸልዩለይ እባ ኣምላኽ ይቕረ  ኪብለለይ
ንስሓ ኽኣቱ ኣበሳይ ኪበልየለይ
ምስትውዓል ክረክብ ክምለስ ናብ ልበይ
ከምቲ ጥፉእ ወዲ ክምለስ ናብ ኣቦይ።

                     ምስጋና ንእግዚኣብሐር!

No comments:

Post a Comment