Saturday, March 19, 2016

3ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም፣ “ምኵራብ”

ናይዚ ዕለት ስያሜ "ምኵራብ" ይበሃል። ጎይታናን መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ አብ ምኵራብ አይሁድ ተረኺቡ ንዝተኣሰሩ ነጻነት፣ ንዝሞቱ ሕይወት፣ ንድኻታት ወንጌል፣ ንዝተጠቕዑ ናጽነት፣ አብ ፍርዲ ንዝነበሩ ኩላቶም ዓመተ-ምሕረት ምምሃሩን ብትምህርቱ ስለምድናቑን ይንገርን ይዝመርን። ሰያሚኡ ቅዱስ ያሬድ ኢዩ። መድሓኒና አብ ምኵራብ ዝሰርሖም ነገራት እናአስተንተነ ስለዝዘመረ ዕለቱ ምኵራብ ተባሂሉ።
ናይ ዕለቱ ስብከት፣-
                 
           እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ፣    ትዕይርቶሙ ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ። 
           
"
                "ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቕንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ። ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወደቐ።" መዝ፤ 699
ትርጉም፣-ኣብ ቤት መቕደስካ ዕዳጋ ኣቊሞም ምስ ረኣኹ፣ ዝቐናእክዎ  ቅንኣት ከም ሓዊ ኣቃጸለኒ፣(ትዕይርቶሙ) ንኣኻ ኣብ ቤት መቕደስካ ዕዳጋ ገይሮም ከምዝተሃላለኹኻ አነውን ዕዳጋኦም ምስ በታተንኩሎም" እዚ ክትገብር መን ሥልጣን ሂቡካ" በሉኒ።(ዮሐ፣28) ልክዕ ከምቲ ንስኻ ካብ ሰማይ  መና አውሪድካ ምስ መገብካዮም"ምንት ጣዕሙ ለዝ መና" ኢሎም ከምዝተማጎቱኻ፣ ንኣይውን" ሥጋ ወዲ ሰብ እንተዘይበላዕኩም፣ ደሙውን እንተዘይሰተኹምሲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት የብልኩምን" እንተበልኩዎም" እዝስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ" እናበሉ ተኻትዑኒ።( ዘጸ፣1615 ዮሐ፣652) ሰብነተይ ብጾም ቀጻዕኩዋ፣ጐይታ 40 መዓልትን ለይትን ጾይሙ፣ ( ዘጸ፣ 348-ፍ፣ ማቴ፣ 42-6) 1
ንባባት ቆላሴ፣216-ፍ፣ 2 ያዕ፣214-, ግሐ፣ 101-9
ቅንዓት ቤትካ በልዓኒ፣ ምኵራብ ካብ ቤት መቕደስ ብብዙሕ ይፈላለ ኢዩ። አብ ብሉይ ኪዳን፣ ቤት መቕደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ አይስራሕን ነይሩ፣ ምኵራብ ግና አብ ዝኾነ ቦታ ምስራሕ ይከኣል ነበረ። ዝስራሓሉ ዕላማ ሕጊ ኦሪት መምሃሪ፣ ቃል እግዚአብሔር መንገሪ ነበረ።
"ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋት ኣበድር እምከዋት አነ ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት ወአቡሃ ለምህረት ኢትግበሩ ቤተ አቡዬ ቤተ ምስያጥ ምስየሰ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ ቦኣ ምኵራቦሙ ልገሥጸሙ ያርምሙ አንብሩ ምሂሮቶ ሞገሰ ቃሉ ወጣኍመ ነገሩ መሳዕሰኦ አፉሁ፣"
ኢየሱስ ናብ ምኵራብ አይሁድ አተወ "ካብ መስዋዕት ምእዛዝ እፈቱ ኢሉ ቃለ ሃይማኖት መሃሮም። ንሰንበት ጎይታኣ፣ ንምሕረት አቦኣ አነ እየ በሎም። ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ፣ ቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ አይትግበርዎ። ምኵራብ አትዩ ትም ክብሉ ገሰጾም፣ ትምህርቱን ናይ ቃሉ ሞጎስን ላዛ ኣፉን አድነቑ"
ወንጌላዊ ማቴዎስ" ኢየሱስ አብ ምኵራባቶም እናመሃረ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ ንሕዝቡ ካብ ሕማሙን ደዌኡን እናፈወሰ አብ ኩላ ገሊላ ይዘወር ነበረ" እናበለ ይምህረና። አይሁድ ንከንቱ ውዳሴ ንረኣዩለይ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ምኵራብ፣ ክርስቶስ ናይ ነጻነት ወንጌል  ከምዝሰበኸ ወንጌላዊ ሉቃስ"ኢየሱስ---ናብ ናዝሬት መጸ፣ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት አይሁድ ኣተወ፣ ኬንብብውን ተንስአ። መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ገንጸሎ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ዝተጻሕፎ ክፍሊ ረኸበ፣-" ንድኻታት ከበሥሮም ስለዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ ልዕለይ አሎ፣ ንምሩኻት ምምላስ፣ ንዕውራት ምርኣይ፣ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበሥር፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፣ ኣዕይንቲ ኹሎም እቶም ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ አይሁድ ኸአ ናብኡ ይጥምታ ነበራ፣ ሽዑ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ አብ አእዛንኩም ተፈጸመ ፣ኪብሎም ጀመረ። ኵላቶም ከኣ መስከርሉ፣  በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዝነበረ ጸጋ ዝመልኦ ቓላት ተደነቑ" ሉቃ፣414-23::
ሓወይ፣ ሓፍተይ፣ ጐይታ ቤተይ ቤት ጸልት እዩ ንስካትኩም ግና በዓቲ ጉሓሉት ገብርኩሞ፣ ኢሉ ነቶም ነቲ ቤት መቕደሱ፣ መሻየጥን ዕዳጋን ዝገበርዎ አይሁድ ነቒፉዎም ብጭጉራፍ ገሪፉ ድማ ሰጕጉዎም፣
ሎሚ ኸ፣ ልበይ፣ ልብኻ፣ ልብኺ፣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ፣ ቤት ፀሎት ድዩ ኮይኑ ዘሎስ፣ ወስይ ቤት ሸቐጥ ሓጢኣት፣ ነፍሲ ዝምንጥሉ በዓቲ ጉሓሉት (ምትላል፣ ስርቂ ምንዝርና ርኽሰት፣ ዝሙት፣ ስኽራን፣ ጽልኢ፣ ሓሶት፣ ጓይላ፣ ዕብዳን-- ወዘይ) እዩ ኮይኑ ዘሎ
ክቡራት ኣሕዋተይ ቤት መቕደስ ልብኻ/ ናይ ሓጢኣት ዕዳጋ ከይከውን ተጠንቐቑ።
ሥብሐት ለእግዚኣብሔር    

No comments:

Post a Comment