Friday, March 18, 2016

2ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም፣
ቅድስት
"ግነዩ ለእግዚአብሔር ወፀውዑ ስሙ" ንእግዚአብሔር ኣመስግኑ፣ ስሙ ከአ ጸውዑ"
እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ፣ አሚን ወሠናይት ቅድሚሁ።ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።
እግዚአብሔር ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብርን ይኸቦ፣ መቕደሱ  ኸአ ብሓይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ መዝ።965
ንእግዚኣብሄር ዝተፈልዩ ነገራት ቅዱስ ወይ ድማ ቅድስቲ ዝብል ስያሜ ይወሃቦም። ናይ ቅድስና መሰረታዊ ሕጉ ድማ ንእግዚኣብሄር ምፍላይ፣ምስኡ ፍጹም ምውጋን፣ ንኻልእክሳብ ዘይኮኑ ንዕኡ ብቓል ኪዳን ምፍላይ ብማሕተም ደም ንእግዚኣብሄር ምቑጻር እዩ።
ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ ሰብ፣ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ ንብረት ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ መዓልትን ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየ ገንዘብን ዝተቐደሰ ይበሃል። ንእግዚኣብሄር ድሕሪ
ምቕዳሱ ድማ ንምድራዊ  ኣገልግሎት ዳግማይ ኣይውዕልን። ብናይ ቅዱስ ያሬድ ስያሜ መሰረት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቅድስት ብምባል ይጽዋዕ። ጾመ ኢየሱስ 40
መዓልቲ ድማ ካብ ቅድስት ሰንበት ይጅምር።
ቅድስቲ ዝብላ ንሰንበት ክኸውን ከሎ ሰንበት ናይ ኣምልኾ ናይ ምስትውዓል ናይ ምቕዳስ መዓልቲ ተብሂላ ንእግዚኣብሄር  ዝተፈልየት መዓልቲ   ስለ ዝኮነት ናይ ጾም  መጀመርያ,ስለ ቅድስና ክንሓስብ ኢሉ ቅዱስ ያሬድ ናይ'ዚ ሰሙን ስያሜ ቅድስቲ ኢሉ ኣውጺእዎ።ቅድስቲ ዝብል ስም፥-ኣብ ጾመ ዱጓ፥-"ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ለውሉደ ሰብእ መድኃኒት ትኩነነ መርሖ በፍኖት በኩሉ ጊዜ ወበኩሉ ሰዓት ቀደሳ እግዚአብሔር ለሰንበት"
"እዛ ዕለት ዝተፈልየት ዝተቐደሰት እያ።ንወዲ ሰብ ድማ መድሓኒት እያ ኣብ ኩሉ መገዱ ኣብ ኩሉ ሰዓት መራሒት ክትከውን እግዚኣብሄር ንሰንበት ኣኽበራ።" ኢሉ ካብዝተዛረቦ ቃል ዝወጸ እዩ። ሰንበት ሰናይ ስራሕ፣ ዝተቐደሰ ስራሕ ዝስርሓላ መዓልቲ ስለ ዝኮነት መድሃኒት ወይ ቅድስቲ (ሰናይት) ክብል ጸዊዕዋ።
ናይ ዱጓ መዝሙር፥-
"ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ፣ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ"
"ንእግዚኣብሄር ተገዝኡ።ኩሉ ስርሑ ንኣህዛብ ንገሩ።ንስሙ ምስጋና ሃቡ።" እናበለ ቅዱስ ጐይታ እናኽበረ፣ስርሑ እናድነቐ፣ ብሰናያቱ እናተደመ ኣምልኾ ዘቕርበሉ እዩ። ብቤተክርስቲያና ባህረ ሓሳብ መሰረት ናይ ጐይታ ጾም ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ምስጋና ዝቐርበሉ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ድሕነት ዝዝከረሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን ስለ ናትና ሓጢኣት ዝኸፈሎ መስዋእትነት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ።
ቅዱስ ያሬድ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል "ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኮነን........." እናበለ ኣብ ቅድስቲ ሰሙን   ዝበሃል ዝማሬ እናብርሀ ይቕጽል /ቆላ 3፡1/።
ዓብይ ጾም,እምበኣር  ካብ ካልእ ግዜ ዝዓበየ ዝኾነሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣገልግሎቱን ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ።
እዚ ድማ፥-ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወረደ እንኮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ዕለት ክዝከር ይግብኦ።ንሱ ባዕሉ ብቓሉ፥-"ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ናብ ሰማይ'ውን ዝዓረገ ኣብ ሰማይ'ውን ዘሎ   ሓደ'ኳ የልቦን" ኢሉ /ዮሃ 3፡13/።
ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፣ ካብ ምንዝርና ክትርሕቁ እዩ፣----
 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣሕዛብ ብፍትወት ሥጋ ኣይትመርሑ።--
-ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኮነ፣ ብቕድስና ኽንነብር እዩ ፀዊዑና። (1ተሰ።43-8)
ስለዚ፣- ብናብራኹም፣ብቅድስና ብምንባር
 በንዘብኩም፣ብገንዘብኩም አስራት፣ ምጽዋት፣ ብምውፃእ
ብውልድኩም ንእግዚኣብሔር ከምዝእዘዙን ዘገልግሉን ብምግባር፣
ብሰብነትኩም ካብ ሓጢአት ብምርሓቕ ናብ እግዚአብሔር ብምስጋድ፣ ጾም፣ ጸሎት
ማቴ፣616-25+ ክትፀውም ከለኻ ነቲ ብሥዉር ዝርኢ ኣቦኻ ደአ እምበር
 ብሰብ ምእንቲ ክትነአድ ኢልካ አይትግበር።
+ሃብትኻ አብ ዘለዎ ልብኻ አብኡ እዩ'ሞ፣ ሃብትኻ አብ ሰማያት ደአ እምበር፣
 አብዛ ሓላፊት ዓለም ንኣኻ ሃብቲ አይትኣክብ።
+ ንኽልተ ጎይቶት ኺግዛእ ዚኽእል ሓደ እኻ የልቦን።---
እምበአር ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ አይትኽእሉን ኢኹም።
 ስለዚ ከምቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኹኑ።1ጴጥ።115-16
                         ሥብሐት ለእግዚኣብሔር                        

No comments:

Post a Comment