Saturday, March 12, 2016

2ይቲ። ሰንበት ዓቢይ ፆም፣
ቅድስት
"ግነዩ ለእግዚአብሔር ወፀውዑ ስሙ"
ንእግዚአብሔር ኣመስግኑ፣ ስሙ ከአ ጸውዑ"
እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ፣ አሚን ወሠናይት ቅድሚሁ።
ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።
እግዚአብሔር ሰማያት ገበረ።
ግርማን ክብርን ይኸቦ፣ መቕደሱ  ኸአ ብሓይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ መዝ።96፣5
ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፣
ካብ ምንዝርና ክትርሕቁ እዩ፣----
 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣሕዛብ ብፍትወት ሥጋ ኣይትመርሑ።--
-ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኮነ፣ ብቕድስና ኽንነብር እዩ ፀዊዑና። (1ተሰ።4፣3-8)
ስለዚ፣- ብናብራኹም፣ብቅድስና ብምንባር
 በንዘብኩም፣ብገንዘብኩም አስራት፣ ምጽዋት፣ ብምውፃእ
ብውልድኩም ንእግዚኣብሔር ከምዝእዘዙን ዘገልግሉን ብምግባር፣
ብሰብነትኩም ካብ ሓጢአት ብምርሓቕ ፣ ናብ እግዚአብሔር ብምስጋድ፣ ጾም፣ ጸሎት


ማቴ፣6፣16-25፣+ ክትፀውም ከለኻ ፣ ነቲ ብሥዉር ዝርኢ ኣቦኻ ደአ እምበር ፣
 ብሰብ ምእንቲ ክትነአድ ኢልካ አይትግበር።
+ሃብትኻ አብ ዘለዎ ልብኻ አብኡ እዩ'ሞ፣ ሃብትኻ አብ ሰማያት ደአ እምበር፣
 አብዛ ሓላፊት ዓለም ንኣኻ ሃብቲ አይትኣክብ።
+ ንኽልተ ጎይቶት ኺግዛእ ዚኽእል ሓደ እኻ የልቦን።---
እምበአር ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ አይትኽእሉን ኢኹም።
 ስለዚ ከምቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኹኑ።1ጴጥ።1፣15-16

ሥብሐት ለእግዚኣብሔር




No comments:

Post a Comment