4ይቲ- ሰንበት ዓቢይ ፆም፣ “መፃጉዕ”
ራብዐይቲ
ሰንበት ዓቢይ ጾም "መፃጉዕ" ትበሃል። አብዚ ዕለት ጐይታናን መዶሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሕሙማን ምፍዋሱ፣ ጎባጣት ምቕናዑ፣ለምጻማት ምንጻሁ፣ መለኰታዊ ናይ ምድሓን ተአምራቱ የመልክት። መፃጉዕ ማለት፣ ብሕማም ማሲኑ አብ ዓራት ነዊሕ እዋን ዝደቀሰ እዩ። ቅዱስ ያሬድ ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝተፈወሱ ሰባትን ናይ ጐይታ ኢየሱስ ፈዋስነትን ዝዘመሮ ናይቲ መዝሙር መእተዊን አርእስትን ብምኳኑ ዕለቱ" መፃጉዕ" ተባሂሉ።
"እግዚኣብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ፣ ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፣
አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ"
“ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚኣብሔር ይድግፎ፣ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ።
ኣነ ኸኣ "ኦ
ጐይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ ከኣ አሕውየኒ በልኩ"(መዝ፣41፣34)
ወንጌል ዮሐ፣ 5፣1-25፣ ቅዳሴ፣ እግዚእ( ነአኵተከ)
ንባባት፣ገላ፣5፣1-ፍ፣ ያዕቆ፣5፣14-ፍ፣ ግሓ፣3፣1-12
|
ብሰንበት
ንሕሙማን ዕረፍቲ ሃበ
አብዛ
ዕለት፣ ቅዱስ ያሬድ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለት ሰንበት ዝፈወሶም ዝተፈላለዩ ሕሙማን እናዘከረ፣ ሕይወትን መድሓኒትን ብዝኾነ ብኢየሱስ ክርስቶስ ድሓኑ፣ ተፈወሱ እናበለ ይዝምር። አብ መዝሙሩ" አምላኩሰ ለኣዳም ለእረፍት ሰንበት ገብረ- አምላኽ
ናይ ኣዳም ሰንበት ዝፈጠራ ንዕረፍት እዩ።" ስለዚ
ብሰንበት ዕውራን ከምዝርእዩ፣ ጎባጣት ቀኒዖም ከምዝኸዱ፣ አብ ብሕማም ማሲኖም ኣብ ዓራት ዝደቀሱ
ከምዝፍወሱ፣ ዝለመሱ ከምዝሓውዩ፣ ምግባሩ፣
ሰንበት ንዕረፍቲ ስለዝፈጠራ እዩ፣ "ጐይታ ሰንበት" ክበሃል ደኣምበር ሰዓሪ ሰንበት ክበሃል አይግባእን፣ እናበለ ንኣይሁድ እናወቐሰ ንመሲሕ ክርስቶስ እናቐደሰ ንሰንበት እናተርጎመ መድሓኒና ብዕለት ሰንበት ዝገበሮም ተኣምራታት እናስተንተነ ይዝምር።
"በሰንበት ፈወሰ ዱያነ ወከሰተ ዐዕይንተ ዕውራን፣ በሰንበት ፈድፋደ ከያነ አፍቀረነ ሰርኣለነ ሰንበተ ለእረፍት።" ብሰንበት ድዉያን ፈወሰ ኣዕይንቲ ዕዉራን አብርሀ፣ ብሰንበት አዕዚዙ ፈተወና፣ ሰንበት ድማ ንዕረፍቲ ፈጠረልና።
" ይቤሎ መስፍን ለኢየሱስ ክርስቶስ በዕለተ ሰንበት ኢይደልወኒ ከመ አንተ ትበእ ታህተ ጠፈረ ቤትየ አዝዝ በቃልከ ወየሀዩ ወልድየ" ብዕለተ ሰንበት ሓለቓ ሚእቲ፣ ንኢየሱስ ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ቤተይ ክትኣቱ አይግበኣንን እዩ'ሞ፣ ብቃልካ አዝዝ ወደይ ድማ ኪድሕን እዩ" በሎ
ኢሉ፣ ወዱ ብሰንበት ከምዝተፈወሰ ይነገር።ማቴ፣8፣1-15።
" ከልሐ ዕውር በውስተ ፍኖት ወገሰጽዎ እለ ይመርህዎ ከመያርምም ወአበየ ከልሐ እንዘይብል ተሣሃለኒ እግዚእየ ወልደ ዳዊት" ዕዉር አብ መገዲ አበርቲዑ ጨርሐ፣ እቶም ዝመርሕዎ ትም ክብል ገሰጽዎ፣ ንሱ ግና እምቢ ብምባል" ወዲ ዳዊት መሓረኒ ኢሉ ጨርሐ" ኢሉ ዘመረ(ማቴ፣ 20፣29-30
መፃጉዕ ብሰንበት ከምዝተፈወሰ ድማ " አህየዎ ኢየሱስ ለመፃጉዕ በዕለተ ሰንበት" በሰንበት ተራከቦ ኢየሱስ ለመጻጉዕ ወይቤሎ ተንስእ ወንሳእ አራትከ ተሓድገ ለከ ሓጢአተከ ዑቅ ኢተኣብስ እምዘ ከመ ዘይኣኪ ኢይርከብከ: ተንሢኦ ነሠኣ አራቶ አተወ ቤቶ ውእቱ መጻጉዕ"ኢየሱስ ብሰንበት ንመጻጉዕ ረኸቦ ተንስእ ዓራትካ አልዒልካ ኪድ፣ ሓጢአትካ ተሓዲጉልካ እዩ'ሞ ዝኸፍአ ከይመጸካ ደጊምካ አይትበድል በሎ፣መጻጉዕ ድማ ተንሲኡ ዓራቱ አልዒሉ ከደ እናበለ ይዝምር።ማር፣ 3፣1-6
ዓይነ
ስዉር ብዕለተ ሰንበት ከምዝተፈወሰ ክነግር ከሎ ድማ " በሰንበት ገብረ-ተኣምራተ ወረቀ ምድረ ወገብረ ፅቡረ አህየወ እውረ በሰንበት" ይብል( ዮሐ፣9፣1-ፍ) "ጽቡር የአውር ሕያወ ዐይነ ወውእቱሰ ወረቀ ምድረ ወገብረ ጽቡረ ወቀብኦ ዐዕይንቲሁ ለዘዕውሩ ተወልደ ወኣህየዎ"። ጭቃ ዓይኒ የዕውር ጐይታ ግና አብ መሬት ጡፍ ኢሉ ጭቃ ገበረ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ድማ ዓይኑ ቀቢኡ አድሓኖ" በለ::
ናሕሲ
አፍሪሶም ንዘእተዉዎ ሕሙም ሰብ፣ዕለቱ ሰንበት ነበረ ማር፣2፣3-12) "ሰንበት
አሜሃ አመይቤሎ ለመፃጉዕ ነስቱ ጠፈረ ቤት ወኣውረድዎ ሃበ ኢየሱስ ርዕዮ ሃይማኖቶ ወይቤሎ ለመፃጉዕ ተንስእ ንሣእ አራተከ" ብምባል ቅዱስ ያሬድ ተአምራቱ ብምድናቕ ይገልጽ::
ኢዱ
ዝነቐጸት ብሰንበት ከምዝተፈወሰ ድማ " ሖረ ሃቤሁ ዘየብስተ እዴሁ ወፈወሶ በዕለተ ሰንበት ወይቤሎ ተሓድገ ለከ ሓጢኣትከ ዑቅ ኢተአብስ"ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ ኪድ ደጊምካ ከይትበድል ተጠንቀቕ በሎ። እናበለ ዘመረ
ብዛዕባ
ናይ አይሁድ ክሕደትን፣ ረብሻን ፣ ዝሓተትዎ ሕቶን ድማ ብከምዚ ዝስዕብ ዘሚርዎ አሎ::
አይሁድ
በየናይ ሥልጣን እዚ ትገብር አለኻ በልዎ። ኢየሱስ ድማ አነ ተኣምራት እገብር አለኹ፣ ንስኻትኩም ብስርሐይ እመኑ፣ አነ ጐይታ ሰንበት እየ-- ነጻነት ክሰብኽ ሥልጣን አሎኒ አዕይንቲ ዕውራት ክኸፍት አቦይ ለኣኸኒ":: ብዘይካ'ዚ ብሰንበት ባሕሪ ምግሳጹ፣ማዕበል ምህድኡ ተአምራት ምግባሩ
አስፊሑ ዘሚሩ::
ክቡር
አንባቢ፣ ብሰንበት ንዕዉራን ብርሃን ምሃብ፣ ንለምጻማት ምንጻሕ፣ ስንኩላን ብምቕናዕ አዕረፎም። ሰንበት ንጐይታ ሰንበት ናይ ስራሕ ዕለት እያ፣ ሕሙማን ዝፍወሱላ፣ ለምጻማት ዝነጽሑላ፣ ዕውራት ዝርእዩላ ናይ ምድሓን ዕለት እያ። ጐይታ
ኢየሱስ ብሰንበት እንታይ ክንገብር
ከምዝ ብግብሪ አርእዩና እምበር ንሰንበት አይሰዓራን። ስለዚ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝኾንና ብሰንበት ሕሙማት ክንበጽሕ፣ እሱራት ክንበጽሕ፣ ሕዙናት ከነጸናንዕ ብወንጌል ከነበራትዖም፣ ይግበኣና። ዕረፍቲ ነፍስን ዕረፍቲ ሥጋን ዝሃበና ጐይታ ምስጋና ይኹኖ። ኣሜን