Wednesday, May 25, 2016

     እናፈለጥኩ እብድል
ዘይፈልጥ ከይከውን እናፈለጥኩ እብድል
ምፍታሕ ስኢነዮ ኮይኑኒ ኣሎ ግድል
ጽድቂ ከይውስኽ መሊሰ ዘጉድል
ዓይነይ እናርኣየ ዝኣቱ ናብ ገደል
ኣሕዋት ምኸሩኒ ንነፍሰይ ከይብድል
  ሥጋይ ተመንዩ ፍትወቱ ክፍጽም
  ስምዒተይ ገንፊሉ ናብ ኃጢኣት  ኪቀዳደም
   ሕልናይ ደኺሙ ዓቕሉ ጸቢብዎ
  ትምኒተይ ከይዓግት ሓይሊ ተሳኢንዎ
   ለባማት እንተ’ለኹም ገለ'ባ በልዎ።
ፈላጥ'የ እናበልኩስ  ዘይፈልጥ ደንቆሮ
ነፍሱ እናጠፍአት ፍጹም ዘይስቆሮ
ንሰባት ይምዕድ ነፍሰይ ዘይፈወስኩ
ለባም ተሰምየ ህይወተይ እናጥፋእኩ
ገለ'ባ በሉኒ እንተ ተመለስኩ።
    ጽድቂ ዘይሰርሓሉ እንታይ ክዓብሰለይ
    ብዙሕ ምምርማር ጥፍኣት ዘስዕበለይ
    ናተይ ዘይፈለጥኩስ ንሓወይ ዝሓሚ
    ፈላጥ ተባሂለስ ናይ ጥፍኣት ፈላሚ
    መጻእየይ ክጽብቕ ምኸሩኒ'ባ ሎሚ።
እምብዛ ፈኲሰ ስመይ ኰይኑ ሰነፍ
ይመስለኒ ነይሩ ዘይወድቕ ዘይጸድፍ
ለባም እንክጋገ መራግኢ ነይገድፍ
ኮይኑ ነገራቱ ረኺቡኒ መንደፍ

ምኸሩኒ'ባ ሎሚ ኣመለይ ክገድፍ።

Tuesday, May 24, 2016

ጸልዩለይ እባ!
ጸልዩለይ እባ፣ ኣሕዋት ምኸሩኒ፣
እናጠፍአ ሓውኹም ሸለል ኣይትበሉኒ፣
ምኽርኹም ለግሱለይ ሎሚ ምዓዱኒ፣
ምስ ሞትኩ R.I. P. እንተ በልኩም  እንታይ ክኾነኒ
  ከምዘይነበርኩ ቆራቢ፣ ሰጋዲ ጸላዪ
  ከምዘይነበርኩ ሰባኺ መዓዲ ኣላዪ
  ሎሚ ኮይነ በድኒ ናይ ጥፍኣት ኣሳሳዪ
  ኃጢኣት መሊኹኒ ናይ ሰይጣን ሰላዪ
እወ  ነይረ ነበር፣ ኣብነት ዝመስል፣
ቤተክርስቲያን ዝመላለስ ጽድቂ ከሰላስል
ሎሚ ግና ረሲዐዮ ንዓለም ክመስል
ጥዑም መሲሉኒ ኣብ ኃጢኣት ክዓስል።
    ኣታ ከማይ የለን ሃብቱ ዝተዘምተ
    ኣብ ሞኣብ ሰፊሩ ካብ ቤቱ ዝሸፈተ
    ህያው ምዉት ኮይነ ብደዉ ዝሞተ
   ብገዛእ ትምኒቱ ጥፍኣት ዝሸመተ።
ኵሉ እናፈለጥኩ ኮነ ኢለ በዳሊ
ምስትውዓል ስኢነ ህይወተይ ከይኣሊ
ነፍሰይ ከየድሕና ንስሓ ከይኣቱ
ምግዳስ ኣብየያ ርእየያ ከምዘይናቱ።
   እንታይ እየ ዝገብሮ እስከ ምኸሩኒ
    ካብዚ ታኼላ ክወጽእ፣ ጸልማት ከይውሕጠኒ
    ደንግጹለይ እባ ኣሕዋት ምኽርኹም ሃቡኒ
    ኃውኹም እናጠፋእኩ ትም ኢልኩም ኣይትርኣዩኒ።
ጸልዩለይ እባ ኣምላኽ ይቕረ  ኪብለለይ
ንስሓ ኽኣቱ ኣበሳይ ኪበልየለይ
ምስትውዓል ክረክብ ክምለስ ናብ ልበይ
ከምቲ ጥፉእ ወዲ ክምለስ ናብ ኣቦይ።

                     ምስጋና ንእግዚኣብሐር!

Sunday, May 1, 2016

ትንሳኤ
ክርስቶስ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ካብ ምዉታን ተንሲኡ፣ 
v ሕብረት ሥጋን መንፈስን አብ ሓደ ባህርይ
v ሥጋ ኵሉ ስምዒትን ድሌትን መንፈስ ትገልጸሉ ህሞት እዩ
1.     ሥጋን መንፈስን ብሰሪ ሞት ተፈላልየን ጸኒሐን ብትንሳኤ ዳግማይ ዝራኸባሉ ህሞት ትንሳኤ ይበሃል::
2.    ካብ ኣዳም ጀሚሩ ንዘመናት ተፈላልዩ ዝጸንሐ ሕዝብን ኣህዛብን ዓሌትን ቛንቛን ደቂ ሰባት፣ ኣብ ሓደ ባህርይን ዓሌትን ቛንቛን መላእክቲ ዝሰምረሉ ኵነት እዩ።
3.    ሰባት ምስ መላእክት ዝራኸብሉ እዋን እዩ።
4.    ልዕሊ ኵሉ ድማ ምስ ጐይታ ኢየሱስ  ገጽ ንገጽ ንራኸበሉ ጊዜ እዩ።
ብሓፈሻ፣ ትንሳኤ ማለት ኣእምሮ ሰባት ኪበጽሖ ዘይክእል ሓድሽን ዘደንቕን ርክብ ማለት እዩ።
v ትንሳኤ ተኣምራታዊ ምስግጋር፣-
     I.        ካብ ብመዓልታት፣ ዓመታት ዝዕቀን ውሱን ሕይወት ናብ ብዘመናት ክዕቀን ዘይክእል መወዳእታ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምስግጋር፣
    II.        ካብ ዝርአ ናብ ዘይርአ ምስግጋር፣(ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳልይሎም ኣሎ።1ቆሮ 2፣9) ናብታ መንፈሳዊት ዓለም መእታው ምስቶም ዘይረኣዩ መናፍስቲ ምጽንባር፣ አብዚ ዓለም ዘይረኣናዮን ዘይንፈልጦን ሓጎስ ምስትምቓር እዩ። ብስምዒት ሕዋሳትና ክንበጽሖ ዘይንኽእል መላእኽቲ ኣምላኽ ጥራይ ክርድእዎ ዝኽእሉ ደረጃ ብትንሳኤ ኪብጻሕ እዩ።
  III.        ካብ ሕዋሳዊ ዓለም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ምስግጋር፣ ካብዚ ምድራዊ ሕዋሳት ዝተፈልየ መንፈሳዊ ሕዋሳት፣ መናፍስትን መንፈሳዊ ዕዮኦም ክርኢ ዝኽእል ሓድሽ ሕዋሳት ምልባስ፣
  IV.        ካብ ናይ ሓሶት ዓለም ናብ ሓቂ ምስግጋር እዩ፣ ካብ ሞትን ኃጢኣትን ዝመልኣ ዓለም፣ ናብ ሞት ዝይብላ ንጽህቲ፣ ሰባት ብንጽህና ክነብሩላ ዝኽእሉ ዘለዓለማዊት ዓለም ምስግጋር።
ትንሳኤ ብዙሕ ሓቂ ዝሓዘ ተኣምራት፣ እምነት ኣመንቲ እዩ:
ትንሳኤ አፍ ደገ ዘለዓለማዊነት እዩ፣  ሞት ናብ ትንሳኤ መሰጋገሪ መድረኽ እዩ: ስለዚ ትንሳኤ ድሕሪ ነዊሕ ድቃስ ምብርባር እዩ።
ትንሳኤ፣ ሞት ዝሰዓረሉ፣ ዘብቅዓሉ፣ ዓወት አብ ልዕሊ ሞት እዩ። ኣምላኽ ነዚ ጸላኢ ሓንሳእን ንሓዋሩን ብትንሳኤ ደምሲሱ ንደቂ ሰባት ኣድሒኑና እዩ፣ ሕጂ እምበአር አብ መንጎ ክልተ ሕይወት ዝፈላሊ ድልድል ኢና ዘለና፣ ሞት አብ መወዳእታ ናይቲ ቀዳማይ ሕይወት አሎ፣ ትንሳኤ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ካልእ ዓለም። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርሕቀት ድማ ፣እቶም ኣቀዲሞም ዝሓለፉ ነፍሳት ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋቶም ጉዕዞኦም ክሳብ ዝውድኡ ዝጽበይሉ እዩ።
ብትንሳኤ ዝመጽእ ዘለዓለማዊነት፣ ብናይ መወዳእታ ፍርዲ እዩ ዝስነ። አብ መንጎ ትንሣኤን  ዘለዓለማዊነትን መዓልቲ ፍርዲ አሎ፣ ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ኵሉ ግብሩን፣ ሓሳቡን፣ ስምዒቱን ዝተዛረቦ ቃላት: ዝፈጸሞ ነገር ኵሉ ጸብጻብ ኪህብ እዩ፣
እዛ ትንሳኤ እዚአ  ንጻድቃን መዓልቲ ሓጎስን ፍስሃን ክትከውን ከላ፣ ንኃጥኣን ግና መዓልቲ ሓዘንን ጸልማትን እያ።
ሞት ንደቂ ሰባት ጓናን ሓድሽን እዩ፣ ትንሳኤ ድማ ዓወት አብ ልዕሊ ሞትን፣ ምምላስ ናብቲ መበቆላዊ ሰብ እዩ፣ በዚ ምኽንያት  ድማ ንኣና ንክርስቲያን ዓቢይ ሓጎስ እዩ። ትንሳኤ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንኣና በዅሪ ትንሳኤና እዩ።
“ሕጂ ግና ክርስቶስ ብዅሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ ካብ ምዉታት ተንስአ።” 1ቆሮ 15፣20
v "ሕይወት ብእኡ ስለ ዝኾነት ክርስቶስ ተንስኤ። (ዮሐ 1፣4፣ ዮሐ 11፣25)
"መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ" (ዮሐ.14፣6፣) ከምዝበሎ ሕይወት ብእኡ ስለዝኾነት ክትንስእ ግድን እዩ።
"ኣነ እቲ ቀዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ ኣይትፍራህ፣ ሞይተውን ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ንዘለዓለመ ዓለም ህያው እየ፣ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ።  (ራኢ 1፣18)

    እምበአርከስ እቶም ትንሳኤ ዘበሰሩ መላእክት ነተን  ኣንስቲ ዝበልወን ቃል፣ "ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምውታት  ትደልያኦ ኣሎኽን፧"
v ብትእዛዙ ብዙሓት ካብ ሞት ስለ ዘተንስአ፣ ንባዕሉ ክትንስእ ግድን ነይሩ።
"ጣሊታ ቝሚ"፣ ኣቲ ጓል ተንስኢ በላ እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስአት፣ ማር 5፣42
"ኣታ ጎበዝ ተንስእ እብለካ ኣለኹ" በሎ፣ እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ። (ሉቃ 7 14-15)
“ኣልኣዛር ንዓ ናብ ወጻኢ ውጻእ ኢሉ ብዓቢይ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምዉት ብግንዙ ተንስኣ። ዮሐ 11፣43
“ኣቦ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ህያዋንውን ከምዝገብሮም፣ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።”
 (ዮሐ 5፣21) ስለዚ ንኻልኦት ሕይወት  እናሃበ ንባዕሉኸ አይትስእን ዶ፧
v ትንሳኤኡ ትንቢት ስለዝነበረ ክትንስእ ግድን ነይሩ
+ "ኢየሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኪድይብ፣ ብዓበይቲ፣ ብሊቃውንቲ ካህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኪጸግብ፣ ክቅተል፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ክትንስእ ከም ዚግብኦ ገለጸሎም። ንሓደ ከይነግሩ ድማ ኣዘዞም። ማቴ 16፣21
+ ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ፣ ኢየሱስ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴ 17፣9)
+ ኣብ ገሊላ ክመላለሱ ኸለዉ፣ ኢየሱስ "ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪተሓዝ አለዎ፣ ክቀትልዎ፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፣ በሎም። ብዙሕ ከኣ ጐሃዩ። (ማቴ 17፣22-23)
+ ሙሴን ኤልያስን ብግርማ ተገሊጾም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ሞቱ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።( ሉቃ 9፣31-33, ማቴ 20፣18-19)
Ø ድሕሪ ትንሳኤ፣ ሰባት ነዘን ቃላት ክዝክርወንን ብዛዕባአን ክዘራረቡ ጀመሩ። መልኣኽ እግዚአብሔር ነተን ኣንስቲ "ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ከምዘሎኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሃ። ኣብዚ የሎን፣ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ፣ ንዕነ ነታ ጐይታ ተነቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ርኣያ። ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንደቂ መዛሙርቱ ንገራኦም።….. በለን። ማቴ 28፣5-6
" እዚ ምሳኻትኩም ከለኹ፣ አብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ኵሉ ኽፍጸም ይግባኦ እዩ፣ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፣ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን አእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፣ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኪጸግብ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ እዩ።( ሉቃ 24፣44-46)
ነዚ ወለዶ ትእምርቲ ዮናስ ምልክት ይኹኖ በሎም። (ማቴ 12፣39-40)
v ትንሣኤኡ ኣብ ጥሕቲ ሥልጣኑ ስለዝነበረ ክርስቶስ ክትንስእ ግድን ነይሩ። ዮሐ፣10፣17-18
“ኣነ ንነፍሰይ በጃ ከሕልፋ፣ መሊሰውን ክወስዳ እየ፣…..ባዕለይ እየ በጃ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዝወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን። በጃ ከሕልፋ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ።”(ዮሐ 10፣17-18)
ኣብ ማእከል ሾብዓተ ቀወምቲ ቀንዴል ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዓጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጉሩን ጻዕዳ ከም ኣስሓይታ እዩ፣ ኣዕይንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣ ኣእጋሩ ኣብ ሓጎዶ ከም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፣ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ከዋክብት አለውዎ፣ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፣ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ እግሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፣ ከምዚ ድማ በለኒ፣ "ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያው እየ እሞ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ንዘለዓለመ ዓለም ህያው እየ፣ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ።” ራኢ ዮሐ 1፣13-18
v ሞቱ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ንጊዜኡ ስለዝነበረ፣ ክትንሥእ ግድን ነይሩ።
+ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ ሮማ፣ 6፣23፣ ስለዚ ንሕና ደቂ ሰብ ብግብርና ሞት እኳ ዝግብኣና እንተኾነ፣ ክርስቶስ ግና ጻድቕ ክነሱ ስሌና ሞተ:: ሮማ 3፣24-25
+ክርስቶስ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፣ ንሱ  እቲ ጸድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ሓጢኣት ሞተ፣ ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 1 ጴጥ፣3፣18-19
+ንሱ እቲ ዝወረደ፣ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። ኤፌ፣4፣9-10
v መለኮታዊ ባህሪኡ ዋላ ንቛሕ ሰምውን ትኣክል ካብ ሰብኣዊ ባህሪኡ ስለ ዘይተፈልየ ክትንሥእ ግድን ነይሩ።
+እወ እቲ ምስ መለኮት ዝተወሃደ ሥጋ ጐይታ፣ ነቲ ንኵሎም ደቂ ሰብ ዝስዕር ሞት ስዒሩ ተንስአ። ጐይታ ንኸድሕነና አብ ክንዳና ሞተ፣ ዓስቢ ኃጢአትና ከፊሉ  ንሞት ኣርሓቖ።
v ብሞቱ ሓይሊ ሞት ዘጥፍአ ክትንሥእ ግድን ነይሩ፣
ሞት ብዓወት ተዋሕጠ ዝብል ቃል ተፈጸመ። "ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፣ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 1ቆሮ፣15፣55
ዝብል ቃል : ሞት ከም ዝተሳዕረ ዜና: ናብ ኵሉ ሰብ በጽሐ::

v ንሓዋርያት ኬጸናንዕን ኪድግፍን ክርስቶስ ክትንስእ ግድን ነይሩ።
+ ምኽንያቱ ብሰንኪ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስቕለቱ  ገሊኦም ሃዋርያት ፈሪሖም ተሓቢኦም ስለዝነበሩ፣ ገሊኦም ኣመንቲ ንኣይሁድ ፈሪሖም ፋሕፋሕ ኢሎም፣ ገሊኦም ድማ እምነት ኣጉዲሎም ክሒዶሞ ስለዝነበሩ፣  ነዚ እምነት ክጽግን፣ ኬጽንዖም ግፍዒ ኣይሁድ ከይፈርሑ ኣብ እምነቶም  ምእንቲ  ኪጸንዑ ክትንሥእ ግድን ነይሩ።
+ ትንሣኤኡ ድማ ወንጌል ብድፍረት ክሰብኩ ኣተባቢዕዋኦም እዩ።
v ከምቶም ዝሞቱ ካልኦት ሰባት፣ ተራ ሰብ ከምዘይኮነ ንኬረጋግጸሎም ክትንስእ ግድን ነይሩ።
v ነቶም ኵሎም ዝትንስኡ ሰባት በኵሮም  መታን ክኸውን ተንስአ።
+ ሕጂ ግና ክርስቶስ፣ በኹሪ እቶም ዝደቀሱ ኰይኑ ካብ ምዉታት ተንስአ። 1ቆሮ 15፣20-22
v መሠረት ክርስትና ንኸንጽፍ፣ ክርስቶስ ክትንሥእ ግድን ነይሩ። ግ.ሐ. 1፣3
" …ኡፍ በለሎም እሞ፣ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፣ ኃጢኣቶም ንዝሓደኩምሎም ይሕደገሎም፣ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ ይትሓዘሎም እዩ በሎም። ዮሐ 20፣22-23, ግ.ሐ.1፣8
ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፣ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ፣ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድሕን፣ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ። በሎም :: ማር፣ 16፣15-16, ማቴ 28፣19-20
v ሓቅነት ትንሣኤ ክርስቶስን ውጽኢቱን፣
Ø ተቓውሞ ኣይሁድ ንትንሣኤ
"… ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም፣ ጎይታይ እቲ  መስሓቲ ብሕይወቱ ኸሎ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፣ ከም ዝበለ ዘከርና። ስለዚ ደቂ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ  ንሕዝቢ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ከይብሉ፣ ካብታ ቐዳማይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፣ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ።" በልዎ።
ጲላጦስ ኣጽኒዖም ዝሕልዉ ሓያላት ዝበሃሉ ወተሃደራት ሃቦም።
ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፣ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ኰይኖም ማሕተም ገበሩሉ። ማቴ 27፣62-66
ንጐይታ ኢየሱስ: ብመዓልቲ ሰንበት ዓይነ ስዉር ኣሕዊኻ ኢሎም፣ ዝኸሰስዎ፣ ባዕላቶም ብመዓልቲ ሰንበት እዚ ዕዮ ኪገብሩ ኣይሓፈሩን። ዮሐ 9፣16-24
+እዚ ኵሉ ዘርዕዶም ዝነበረ ግና እንታይ እዩ፧ ካብቲ ቀዳማይ ስሕተት እቲ ካልኣይ ከይገድድ ምባሎም ከ፧
ትንሣኤ ክርስቶስ ዘረጋግጾ፣ ሓቅነቱን እቶም ትንቢታቱ ድማ ሓቂ ምዃኖምን እዩ። ክርስቶስ ኃያል ምዃኑን ስቕለቱ ብድኻሙ ዘይኮነ ንሰብ ኬድሕን ብፍቓዱ ከምዝተሰቕለ እዩ።
+እቲ ዅሉ ጥንቃቄታቶም፣ ዝወሰድዎ ስጉምትታትን ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝትንሥእ ዓቢይ መረጋገጺ እዩ።
ጐይታ ግና፣ ብሕቱም ድንግልና ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዝተወልደ፣ ብዕጹው መቓብር  ተንስአ፣  ብዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ድማ ንደቂ መዛሙርቱ"ሠላም ንኣኹም ይኹን"በሎም::
Ø መግነዝን መኣረምያን
ስምኦን ጴጥሮስ ናብቲ መቓብር ኣተወ፣ ነቲ መጋነዝውን ተነቢሩ ረአዮ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ። ሽዑ እቲ ቕድም ዝመጸ ካልእ ወደ መዝሙሩ ኣተወ፣ ነቲ ካብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፣ ዚብል ጽሑፍ አየስተውዓልዎን ነበሩ'ሞ ርእዩ ኣመነዮሐ,20፣8
Ø ብዛዕባ ምስራቕ ሥጋ ዝተመስረተ ሓሶት
እቶም ተሞክሮ ዝነበሮም ሓያላት ዝተባህሉ ወተሃደራት፣ ደቂሶም ከለዉ ደቂ መዛሙርቱ ሰሪቖሞ ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ክእመን ዘይክእል ነገር እዩ፣:
 መቓብር ብዓቢይ ደንጎላ ተዓጽዩ ከሎ ከይተከፍተ፣  ከመይ ገይሮም ክሰርቅዎ፧ እንተ ከፈትዎ ኸ ድምጺ ከይገበሩ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢይ ደንጎላ ከመይ ጌርካ ይከኣል፧
ሓዋርያት ንጐይታኦም መግነዙን መኣረምያን ደርብዮም ዕራቑ ሰሪቖሞ  ክበሃል ፍጹም ዘይእመን እዩ። ዝሞተ ሥጋ ሰሪቖም ከ እንታይ ክረብሑ  እዮም፧
እቶም ሓለውቲ መቓብር ወተሃደራት ደቂሶም እንተ ነይሮም፣ ሓዋርያት ብለይቲ መጺኦም ከምዝሰረቕዎ ከመይ ገይሮም ፈሊጦም፧
ዓቕሎም ዝጸበቦም ኣይሁድ  ዝመሃዝዎ ሓሶት ዝኾነ ሰብ ኪኣምኖ ዘይክእል ከንቱ ነበረ።
ትንሣኤ ክርስቶስ ንከንቱን ሓሶት እምነቶምን ዘቓልዕ ስለዝነበረ፣ ክፉእ ግብሮም ከይቅላዕ ሰባት ናብ ድሕነት ከይበጽሑ ብኣግኡ ክቃወሙ ፈቲኖም፣ ግና ኣይኮነሎምን፣ ድሕሪኡውን ክርስትና ከየስፋሕፍሕ ብዙሕ ጽዒሮም፣ ንክርስቲያን ገፊዖም፣ ኣሳጒጎም፣ ቀቲሎም ክሳብ ዝከአሎም ክፉእ ግብሪ ኣቡኦም ዲያብሎስ  ፈጺሞም፣ ጻዕሮም ግና ከንቱ ኾነ።
v መልእኽቲ ትንሳኤ
+ ንክርስቶስን ሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ ብሞቱ ኪመስሎ፣ ኣብ ትንሳኤ ምዉታን ግደ እንተ ኣርከብኩ ኢለ እየ። ፊሊ 3፣10
+ ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እዩ፣ ካብኣ ድማ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣሎና፣ ንሱ በቲ ንኹሉ ኪመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ፣ ነዛ ናይ ውርደት ሰብነትና ለዊጡ ነቲ ክቡር ሰብነቱ ከምስሎ እዩ።ፊሊ 3፣20-21
+ ንኣምላኽ ኵሉ ይከኣሎ እዩ። ማር 10፣27
+ ሞት ጋሻ እዩ፣ ትንሳኤና ግና ናይ ዘለዓለም ወራሲ እዩ።
+ እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፣ ንነፍስወከፍ ድማ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እየ። ራኢ 22፣12
እንሆ ብደመና እመጽእ ኣሎ ኵለን ኣዕይንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም። ራኢ 1፣7
+ብትንሣኤ ጕይታ ሓዋርያት ተሓጎሱ፣ ንሕናኸ ተሓጒስና ዶ፧ እቲ ዝሰማዕናዮን ዝርኤናዮን ኣእዳውና ዝዳህሰስኦ ንነግረኩም ኣሎና። 1ዮሐ 1፣1

                       ክብሪ ንእግዚአብሐር