Friday, August 8, 2014

ኣስተንት

“ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ 
ብሓሳብ ከስተንትን ወጺኡ ነበረ” (ዘጽ.24፣63)።

God Is Love! 2John 4:8(JTM)

Thursday, August 7, 2014

        " ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚኣብሔር፣ ንትፌሳሕ ወንትሓሰይ ባቲ፣ ኦ እግዚኦ        ኣድሕንሶ።" መዝ 118፣24።
       
 "እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ።ብእኣ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን። 
 ኦ! እግዚኣብሄር ኣድሕን ኮታ" መዝ 118፡24።

 “This is the day the Lord has made; let us rejoice and be glad in it. O LORD, save us. 
Psalms 118.24-25 (JTM)

It Is Time to Pray(JTM)

Tuesday, July 15, 2014

 Pop Kyrillos  

“Humility is appropriate to
 a right esteem of power and status”.
The Christian life is an imitation of Christ. We are to follow Christ: the kenotic Christ, the Lord of Glory who in the Incarnation engages in the process of self-emptying, self-giving love,
emptied of the divine powers and perogatives.
(St. Isaac. fl 650-700)(JTM)

Monday, July 14, 2014

These are the five functions of the Holy Spirit in our life.
 If you can just repeat them I will be very thankful.
1. He blames The Holy Spirit  blames us and He blames the world ( John 16:8) “And when He has come, He will convict (convict that’s blame convincing me that I’m wrong – convict) the world of sin and of righteousness and of judgment.”
2. He guides. John 16:12 ‘I still have many things to say to you, but you cannot bear them now. However,  when He, the Spirit of truth, has come. He will guide you
3. He comforts(3) He Comforts Me:
 The Lord said to us ask in order to have the fullness of joy. What do I ask for? I’ll ask for the Holy Sprit. When you read John 15,
4. He Sanctifies We are all struggling we see having sanctified thoughts, senses, feelings, will, deeds and way
5. He gives fruits and gifts .
In Galatians 5:22 .  1 Corinthians 12. We find nine gifts. Come let’s count them together.  ‘But the fruit of the spirit is love, joy, peace, longsuffering, kindness, goodness, faithfulness, gentleness and self- control’
 Therefore the Holy Spirit doesn’t leave us except if we leave Him or dismiss Him or if He knows that it’s a decision of the end of my life. God forbid.
Thank you.

Almighty God be Praised

“ነፍሲ ወከፍ ንኻልኦት ብምግልጋል
    
 ናይ ገዛእ ርእሱ ፍጽምና ክረክብ ኣለዎ።

Saturday, July 5, 2014

“ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ 
ኣነ ከኣ ከዕርፈኩም እየ፣….
ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ጾረይ ከኣ ፈኩስ እዩ።” ማቴ. 11:28.
JTKM

Thursday, July 3, 2014

ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን’ዩ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ”
ምሕረት ምግባር ማለት : ቕጽዓት ንዝግበኦ ወንጀለኛ ርሕራሐ ምግባር ማለት እዩ (መዝ 51፡1, 7-8)።
እግዚኣብሔር ወልድ ኣብ መስቐል ዕርቓኑ ወጺኡ ስሌና ዝሓመሞን ዝተሳቐየን፣ ኣብ መጨረሻ ከኣ ብኣሰቓቂ ሞት ዝሞተን ንዓለም ብምሉእ ምሕረት ምእንቲ ኪገበረሉ እዩ (ኤፌ 2፡4-5፣ 1 ጴጥ 1፡3፣ ሮሜ 5፡6-10)።
 እግዚኣብሔር ካብ መስዋዕቲ ንላዕሊ ምሕረት ይፈቱ። ምሕረት እግዚኣብሔር ኣዒንቲ ዕዉራት የብርህ፡ ኣእዛን ጸማማት ይኸፍት፡ መጠን ዘይብሉ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ (ማር 10፡46-52)።
 ንገሌና ከም ሎጥ ካብ ሓዊ መንጢሉ ዘውጽኣና (ዘፍ 19፡19)፣
 ንገሌናውን ከም ኣቦና ያዕቆብ ዘይግብኣና ምሕረት ዝሃበና(ዘፍ 32፡10)፤ 
ከም ጊልያ ኣብርሃም ለሚንናዮ ሓሳብ ልብና ዘፈጸመና፣ 
ከም ናእሚ ንምረትናን ሓዘንናን ደቢሱ ንቡር ህይወት ዚሃበና ኣምላኽ፡
ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ብሰላም ወጺና ብሰላም ክንኣቱ ምሕረቱ ዘብሓልና እግዚኣብሔር ወትሩ ከነመስግኖ፤ ብመጠን እቲ ዝረኸብናዮ ምሕረት ከኣ ምሕረትን ይቕረታን እንገብር ክርስትያን ኪንክወን ይግባእ። ንሓውና ወይ ድኻ ሰብ ክንርሕርሓሉ ከሎና፡ ንኣምላኽ ነኽብሮ ምህላውና እዩ
ቃሉ ዚምስከርልና (ምሳ 14፡21, 31፣ ሆሴ 14፡3)።
 ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና!
Amen JTKM

Tuesday, July 1, 2014

    “ንጹሕ ጸሎት 

  ንዓለም ምሟት እዩ።”

 ስለዚ :

ካብ ሓሳባት ዓለም ነጻ ኴንና ክንጽሊ ኣሎና።

Monday, June 23, 2014

“እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዚ መዋቲ ሥጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ” (ሮሜ.6፡12)

“ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፣ ናብታ መሕደሪኻ ዜኾነት ቤተ መቅደስን የብጽሓኒ”
(መዜ.43፣3)።

Sunday, June 22, 2014

"Of whom the world was not worthy: they wandered in deserts, and in mountains, and in dens and caves of the earth.(Hebrew11:38)

Debre Tsge Abune Endrias Sefaa  ( St. Endrias Monastry Eritrea,JTM) “ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን በዓትታትን ጎዳጕድን ኮለል በሉ (ዕብ.11፣36)።
እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ንዓለም ገዲፎም ካብ ኩሉ ሰብ ርሒቖም ምስ ኣምላኽ ጥራይ ክነብሩ ኣብ በዓትታት ምድረ በዳ ኮለል ምባሎም ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ኣስተንትንኡ ከምዚ ይብል “ምሳኻ ጥራይ ክዛረብ ምስ ሰብ ምዝራብ ኣቋረጽኩ፣ ማዕጾካ ክኸፍት ማዕጾይ ዓጸኹ፣ ንነብሰይ ካብታ ባህርያዊት ጸሓይ ኣባይ ከይትበርቕ ከልከልኩ፣ ንስኻ ኣብ ጽላላ ፈውስን ጸሓይ ናይ ጽድቅን ኢኻ”

Friday, June 13, 2014

Kalat Hisan New Eritrean Orthodox Mezmur 2014

New Ethiopian Orthodox Tewahedo mezmur ሃሌ ሃሌ

New Ethiopian Orthodox Mezmur by Zemari Diakon Tadewos Awugchew(ከልቤ ነው ድ...

New Timket Ephiphany Mezmur By Zemari Diakon Tadewos Awugchew from his n...

New Ethiopian Orthodox Tewahedo Mezmur ሰዓሊ ለነ (seali lene )BY Zemari D/n...

Zemari Tadewos Awugchew New Mezmur Dedicated to Ethiopians in Saudi Arab...

Very Touch Mezmur By Zemari Tadewos Awugchew( Sew Honkugn) mark 5

The New Zemarit Zerfe Kebede Mezmur Ken Yasgonebisal-newest 2014

Amazing Artist MESERET MEBRATE Performance on Ethiopian Orthodox Mezmur(...

Best new Mezmur by Hitsan zemarit Kalkidan

Tuesday, June 10, 2014

  “ክሳዕ ደረጃ ናይ ፍጽምና ጸሎት እትበጽሕ ክትጽበ እንተኾይኑ ፈጺምካ ኣይክትጽልን ኢኻ። ምኽንያቱ ናብቲ ፍጹምን ንጹህን ጸሎት ብዘየቋርጽ ቀጻሊ ጸሎት ስለ እንበጽሕ”።
                                             ማር ይስሓቕ_JK

Sunday, June 1, 2014

"God Is My Light Whom Shall I Fear" Psalm 27.

"We ought to obey God rather than men. "(Acts 5:29) "For we cannot but speak the things which we have seen and heard." (Acts 4:20) 

Saturday, May 31, 2014

 The Blessings Of The Resurrection In Our Life
 
1. Everything is possible(Phil 3:10)
2. Longing for the eternal life"I desire to depart and be with Christ , which
is better by far. "(Phil 1:23
3. By means of the resurrection the human nature is
cleared up both physically and spiritually
*Christianity believes that death is mere transition
and "To die is gain " and "it is better by far" and "never feared
by anyone

Wednesday, April 30, 2014

               ኪዳን

ህን፣-  “  ምስጋና ንእግዚኣብሔር  

ይኹን”   ይበል ።                                                                                                                    
ሕዝቢ፣- “  ብሓቂ ይግባእ እዩ”  ይበሉ ።
ካህን ነዚ ይጸሊ፣- ጎይታ ፣ንኣኻ ኹሉ ንዝፈጠርካ  ንዘይትርአ  ኣምላኽ፣ ብኹለንትናና  ነምልኸካ ኣሎና። ንኹሉ ጥበብ ሓያል ዝኾንካ ጎይታ፣ ናይ ንግሆ ምስጋና ንውፍየልካ ኣሎና። ብዓል ብዙሕ ምሕረት  ናይ ነፍሲ ፈጣሪኣ ዝኾንካ ኣምላኽ፣ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም  ካብ ኣብ ንዝተወለድካ ነመስግነካ ኣሎና ። ኣብ ቅዱሳኑ ዚዓርፍ ናይ ብሕቱ ቓል ኢኻ ።ንስኻ   ብዘየቋርጽ ምስጋናን ብኣሕሉቕ ሠራዊት መላእኽትን እትምስገን ኢኻ ። ብኢድ ዘይተፈጠርካ ፥ ኅቡኣት ዝፈጠርካ ንጹሕን ቅዱስን ዘይትምርመርን ኢኻ። ናይ ምስጋናኻ ሥዉር ጥበብ ዝነገርካና መምህር ኢኻ ። ዘይጠፍእ ብርሃንውን ኣተስፎኻና። ናኣኻ ምስጋናን ክብርን ቅድስናን ነቕርብ ኣሎና። ኦ ጎይታ ፥ንሕና ባሮትካ ንጹሕ ምስጋና ንውፊ ኣሎና
 ሕዝቢ ኸኣ ንኣኻ የመስግኑ ኣለዉ።
    ሕዝቢ ፣-“ኦ ጎይታ ፥ንኣኻ ነመስግን ኣሎና” ይበሉ።
ካህን ነዚ ይጸሊ፣- ኦ ኣምላኽ ብርሃን ፥ ሕይወት ዝፈጠርካ ፥ ካብ ፍጹም ጸጋ ወሃብ ጸጋ ዝኾንካ ፥ ርእሲ ኣእምሮ ፥ ንነፍሲ ዝፈጠረ፥ መዝገብ ጥበብ ረዳኢ ፥ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ዜሀብትም ። መምህር ቅዱሳንን መሠረት ዓለምን ዝኾንካ ። ጸሎት ንጹሓን እትቕበል።   
 ኦ ወልድ ዋሕድ ፥ ንኣኻ ነመስግን ኣሎና ። ቀዳማይ በኹሪ ናይ ኣብ ቃል ፥ ነዞም እንጽውዓካ ንኣና ንኹሉ ዚኸውን ናትካ ጸጋ ዝሃብካና ንስኻ ኢኻ ። ኦ ነውሪ ዘይብሉ ንጹሕ ኣቦ ፥ ጻጸን ቍንቍነን ዘየበላሽዎ  ሃብቲ ዘለዎ። ነቶም ብፍጹም ልቢ ዚኣምኑኻ እትህብ።ንመላእኽቲ ኬመስግንዎ ዜፍትዎም ። ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበረ ዘይጠፍእ ሓላዊና ብርሃን ኢኻ። ነቲ ኣባና ዝነበረ መዝገብ ጽልመት ኣርሒቕካ ብፍቓድ ኣቦኻ ኣብራህካልና። ካብ መዓሙቍ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውፃእካና። ካብ ሞት ኣድኂንካ ሕይወት ሃብካና። ካብ ባርነት ሓራ ኣውፃእካና። ብመስቀልካ ናብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻ ኣቕረብካና። ብወንጌል መራሕካና ፥ብነቢያትውን ኣጸናናዕካና። ኦ ኣምላኽ ባዕልኻ ኢኻ ዘቕረብኻና ። ስለዚ ኦ ጎይታ ፥ንሕና ባሮትካ ንኣኻ ንኣምላኽና ክንውድስን ብዘይ ምቊራጽ ኩሉ ሳዕ ከነመስግንን ብርሃን ሃበና ።
 ሕዝቢ’ውን ንኣኻ ይውድሱ ኣለዉ ።
ሕዝቢ፣- “ኦ ጎይታ፥ ንኣኻ ንውድስ ኣሎና” ይበሉ።

ካህን ነዚ ይጸሊ፣- ምስ ኣቦ ልዕሊ ኹሉ ንዝኾንካ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር ፥ምስቲ ናይ ዘለዓለም መንግሥትኻ እዚ ምስጋና እዚ ንሣልሳይ ጊዜ ካብ ኣፍና ነቕርብ ኣሎና ።ኵሉ ፍጥረት ድማ ብምርዓድን ብመንፈስ ፍርሃትን የመስግነካ ኣሎ። ኦ ኵሉ ነፍሲ ዚፈርሆ ፥ኵሎም ነፍሳት ጻድቃን ብኣኻ ጸኒዖም ዚነብሩ። መናፍስቲ ዘምጽእዎም ወሓዝቲ ማዕበላት  ካባና ዘህዳእካ ። ካብ ጥፋኣት፥ ወደብ ሕይወት ዝኾንካና ንስኻ ኢኻ። ናብቲ ናይ ዘለዓለም ተስፋ ምድኃን ዘለዎ ጸግዒውን መጕየዪ ዝኾንካና ንስኻ ኢኻ። ነቶም ኣብ ባሕሪ ዚጭነቑ እተድኅን። ነቶም ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ ኸኣ ብጸጋኻ እትሕዊ፥ ነቶም ኣብ ጹኑዕ ማእሰርቲ ዘለዉ ኸኣ ምስኣቶም እትነብር። ካብ ማእሰር ሞት ዝፈታሕካና፥ ንመሳኺንን ንዚበኽዩን ዚናዝዞም፥ ነቶም ዝጻመዉ ድማ ብመስቀሉ ዚብጀዎም። ነቶም ኣብኡ ዝተወከልና ኵሉ መዓት ካባና ዚመልስን ዜርሕቕን ንስኻ ኢኻ። ኦ ጎይታ፥ ነቢያትን ሓዋርያትን ንኅቡሕ ንዜመስግኑኻ ንኣኻ ንውድስን ነመስግነካን ኣሎና። ኣብ ማኅደር ሕይወት ምእንቲ ኸነዕርፍ፥ብኣኻ ኣሚንና ፍቓድካ እናገበርና ብትእዛዝካ ከም እንመላለስ ግበረና። ኦ ጎይታ፥ ንዅሉ ንናእሽቱን ንዓበይትን፥ ንመመኃደርን ንሕዝቡን፥ ንጓሳን ንመጓሴኡን፥ ብምሕረትካ ሓሉ። ኦ ጎይታናን ኣምላኽናን ቡሩኽ መንግሥቲ ናትካ እዩ እሞ፥ ቅድሚ ዓለም፥ ምስጋና ንኣብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ይግባእ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንውሉድ ወለዶን ዘይውዳእ፥ንዘለዓለም ዓለም ።
ሕዝቢ፣-“ ኣሜን” ይበሉ።

             ካልኣይ ክፍሊ
                                  
ንግሆ ዝጽለ ኪዳን
ትእዛዝ፦ ካህን ገጹ ናብ ህዝቢ ኣቢሉ ይምለስ። ነዚ ዝስዕብ ብልዑል ዜማ ይጸሊ፦ ሕዝቢ ውን ከምቲ ሥርዓቱ ይጸልዩ።
ካህን፦ “ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ምስ መንፈስካ” ይበሉ።
ካህን፦ “ንኣምላኽና ነመስግኖ።” ይበል።
ሕዝቢ “ሓቂ ይግባእ እዩ” ይበሉ።
ካህን፦ “ሕሊና ልብኹም ኣጽንዑ” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣሎና፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና። ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ይበሉ።
ካህን፦ እግዚኣብሔር ኣብ ወሃብ ብርሃን እዩ። ንኹሉ ዝኸውን ኃይሊ ዘለዎ ንኹሉ ነፍሲ ውን ዝሕሉ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ ብርሃን ንዓለም ዝፈጠረ እዩ። ናብ ሕይወት ዝመርሕ ዘይሓልፍ ደስታ ዝህብ። ካብ መዐንቀፊ ጸልማት ዘውጻእካና፣ ዘይርከብ ብርሃን ከኣ ጸጎኻና። ነቶም ብኣኻ እንኣምን ካብ ምእሰርቲ ፈቲሕካ ብእምነት ከለልካና። ኩሉ ሳዕ ካብ ባሮቱ ዘይርሕቕ ምስኦም ዝነብር። ነታ ብምፍራሕን ብምርዓድን እትልምኖ ነፍሲ ዘይጽነን። ቅድሚ ሓሳብ ኩል ዝፈልጥ። ቅድሚ ሕሊና ኸኣ ዝምርምር፣ ከይለመንናዮ ዘድልየና ፈሊጡ ብፍቓዱ ይህበና። ብዘይምጥርጣር ክንጽውዖ ከሎና ዝሰምዓና። ዘይምርመር ብርሃን ንጉሥ ሠራዊት ሰማያት እዩ። ናይቶም ኃዲርዎም ዝነብር ሊቃነ መላእኽቲ  ምስጋና ሰማዒ እዩ። ኦ ጐይታ ንልምነካ ኣሎና ስምዓና። ንዓኻ ነመስግንን ንዓኻ ንውድስን ንዓኻ ንባርኽን ኣሎና። ብኣኻ ድማ ክንጸንዕ ብእምነት ዘየቋርጽ ቃል ሃበና። ኦ ጐይታ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና።
ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ ንዓኻ ነመስግን ኣሎና” ይበሉ።
                              *****
ካህን ነዚ ይጸሊ፦ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልመናና ስምዓና። ንዓባሳት ቃል፣ ንስቡራት ምርኵስ፣ ንዕዉራት ብርሃን፣ ንሓንካሳት እግሪ፣ ንለምጻማት መንጽሒ፣ ብሕማም ንዝተታሕዙ መሕወዪ፣ ንጸማማት ፈውሲ ኰንካዮም። ንሞት ዘለፎ ንጸልማት ከኣ ሳቐዮ። ብርሃን ዝፈጠረ ዘይዓርብ ጸሓይ፣ ዘይጠፍእ መብራህቲ እዩ። ኩሉ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ዘብርህ ፀሓይ እዩ። ብምዱብ ፍታው ንኹሉ ስልማት ዓለም ዝፈጠረ እዩ። ሰብ ንምድሓን ተወሊድካ ንኹሉ ተገለጽካ። ንነፍሲ ዝመለስካያ ንስኻ ኢኻ። ንኹሉ ድማ በብዘድልዮ ኣቐዲምካ ሓሌኻ። ንመላእኽቲ ዝፈጠርካ ኣቦ ኩሉ፣ ጌጽ ዓለም፣ ንምድሪ ዝፈጠርካያ ንስኻ ኢኻ። ካብ ጥንቲ ጥበብን ኣእምሮን፣ ካብ ኣቦ ናብዚ ዓለም እዚ ተላእከ። እዚ ህላዌ እዚ ዘይፈርስን ዘይምርመርን እዩ። ዘይረአ መንፈስ እዩ። ነዚ ዘብሰርካና ንስኻ ምስጉን ኢኻ። ስምካ መስተንክር እዩ። ኦ ጐይታ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ንውድሰካ ኣሎና።
ሕዝቢ “ኦ ጐይታ ንዓኻ ንውድስ ኣሎና” ይበሉ
                              *****
ካህን ነዚ ይጸሊ፦ ኦ ጐይታ ነዚ ቅዱስ ምስጋና ንሣልሳይ ግዜ ናባኻ ነቕርብ ኣሎና። ዘይልወጥ ናትካ እምነት ሃብካና። ብእኡ ኸኣ ማእሰር ሞት ክንስዕር ገበርካና። ካብ ሰብ መራሕቲ ክኾኑ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ቅኑዕ ሕሊና ዝሃብካ ንስኻ ኢኻ። ንኹሉ ሓይሊ ጸላኢ ብመንፈስ ክንረግጽ ሃብካና፣ ዘይፍታሕ ክንፈትሕ ድማ ምስ ኣቦኻ ፍቕሪ ገበርካልና። (ሉቃ 10፣18-21) ኣብ ማእከልና ኴንካ ድማ ዓረቕካና። (ኤፌ 2፣13-16) ኦ ጐይታ ነቶም ዝልምኑኻ ስምዓዮም፣ ኦ ጐይታ እዞም እንልምነካውን ኣይንከሰስ። ኣብ ግዜ ክስስ ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ደኣ ዓወት ይሃልወና፣ ካብ ምትላል ጸላኢ ክንሕሎ ዘየቋርጽ ጸሎት ሃበና። ኦ ዘልኣለማዊ ንጉሥ ስማዕ። ንመበለት ኣጸናንዕ፣ ንዘኽታማት ከኣ ተቐበል። ብሓጢኣት ንዝረኸሱ ብምሕረትካ ኣንጽሕ። ንዓያሹ ኣለብም፣ ንጥፉኣት ምለስ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ኣድኅን። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ቡሩኽ መንግሥቲ ናትካ እዩ እሞ፣ ንኹልና ጸግዒ ኵነና።
ሕዝቢ፦ “ኣሜን” ይበሉ።
                             
                  ክፍሊ ሠለስተ
                              
      ሠርክ ዚጽለ ኪዳን
ትእዛዝ፦ ካህን ገጹ ናብ ህዝቢ ኣቢሉ ይመልስ እሞ ብልዑል ቃል ነዚ ይበል።
 ህዝቢ ኸኣ ከምቲ ስርዓቱ ይበሉ።
ካህን፣ “ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ይኹን።” ይበል
ሕዝቢ፦ “ምስ መንፈስካ” ይበሉ
ካህን፦ “ንኣምላኽና ኣመስግንዎ” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ብሓቂ ይግባእ እዩ” ይበሉ
ካህን፦ መድኃን ነፍስና ንዝኾንካ ንዘይትልወጥ ንዓኻ ንኣብ፣ መሠረት ጥበባትን ዓቃቢ ኣልባብናን ዓይኒ ልብና ዘብራህካልና፣ ጸልማት ሕልናናውን ኣርሒቕካ ብናትካ ኣእምሮ ዝኸለልካና ንስኻ ኢኻ። ነቲ ንጥፍኣት ዝተወፈየ ናይ ጥንቲ ሰብ ብመስቀል ወድኻ ኣድኃንካዮ። ብዘይጠፍእ ከኣ ሓደስካዮ። ብትእዛዝካ ድማ ስሕተታት ጠፍአ። ነኢ ዝጠፍአ ደሌኻዮ ብሞት ወድኻ ውን ተበጀኻዮ። ኦ ጐይታ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና።
ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ ነመስግነካ ኣሎና” ይበሉ።
                              ********
ካህን፦ “ኦ ጐይታ ንውድሰካ ኣሎና ሊቃነ መላእኽቲ ብዘየቋርጽ ምስጋና ማኅሌት ኩሉ ሳዕ ዘመስግኑኻ ኢኻ። ኦ ጐይታ፣ እዚ ኣጋእዝቲ ብኣኰቴትን ማኅሌትን ኩሉ ሳዕ ዘመስግኑኻ ኣይ ክብሪ ምስጋና እዩ። ቅድም ምሳኻ ዝነበረ ናትካ ቃልን ናትካ ምኽርብ ናትካ ጥበበን ናትካ ምብጻሕን ዝለኣኽካ ኢኻ። ኦኣለም ከይተፈጥረ ምሳካ ህልዊ ዝኾነ። እወ እቲ ባህርይ ሰብ ንምድሓን ብሥጋ ዝተገልጸ ቃል ካብ ኣርዑጥ ሓጢኣት ሓራ ዘውጽኣና ወድካን ፍቑርካን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ኦ ጐይታ ንሕና ባሮትካ ንውድሰካ ኣሎና።
                              ********
ካህን ነዚ ይጸሊ፦ ኦ ወሃብ ሕይወት ጐይታ ንዓኻ ካብ መዓሙቕ ልብና ንሣልሳይ ግዜ ውዳሴ ነቕርበልካ ኣሎና። ነፍሲ ትሑታት ዝርኢ ንጭኑቕ መንፈስ ሸለል ዘይበለ፣ ነቶም ዝተሰዱ ዝቕበሎምን ዝረድኦምን። ነቶም ኣብ ረግረግ ሓጢኣት ተዋሒጦም ዝሳቐዩ መድኃኒ፣ ንጥሙያት ዝሓሊ ንግፉዓት ዝብቀለሎም። ዓርኪ ምእመናን ንጻድቃን ዝምስክረሎም፣ ንንጹሃን መሕደሪኦም ንጽድቂ ንዝጽውዕዎ ሰማዒ። ንመበለት ከዳኒ፣ ንዘኽታማት ዝኣሊ። ነታ ምዕራፍ ምስጋና እምነትን ጉባኤ መንፈስን ሃብት ጸጋን ኃይልን ክትከውን ዝተኸላ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ መራሒ ዝህብ። ኦ ጐይታ ከየዕረፍና ኩሉ ሳዕ ንዓካ እናወደስና ብእኡ ኣምሳል መንግሥትኻ ብልባትና ንምስል ኣሎና። ብኣኻን ብፍቑር ወድኻ ጐይታና ኢየሱስን ብእኡ ምስጋናን ጽንዓትን ዘሎካ ንዘልዓለመ ዓለም።