Thursday, July 3, 2014

ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን’ዩ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ”
ምሕረት ምግባር ማለት : ቕጽዓት ንዝግበኦ ወንጀለኛ ርሕራሐ ምግባር ማለት እዩ (መዝ 51፡1, 7-8)።
እግዚኣብሔር ወልድ ኣብ መስቐል ዕርቓኑ ወጺኡ ስሌና ዝሓመሞን ዝተሳቐየን፣ ኣብ መጨረሻ ከኣ ብኣሰቓቂ ሞት ዝሞተን ንዓለም ብምሉእ ምሕረት ምእንቲ ኪገበረሉ እዩ (ኤፌ 2፡4-5፣ 1 ጴጥ 1፡3፣ ሮሜ 5፡6-10)።
 እግዚኣብሔር ካብ መስዋዕቲ ንላዕሊ ምሕረት ይፈቱ። ምሕረት እግዚኣብሔር ኣዒንቲ ዕዉራት የብርህ፡ ኣእዛን ጸማማት ይኸፍት፡ መጠን ዘይብሉ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ (ማር 10፡46-52)።
 ንገሌና ከም ሎጥ ካብ ሓዊ መንጢሉ ዘውጽኣና (ዘፍ 19፡19)፣
 ንገሌናውን ከም ኣቦና ያዕቆብ ዘይግብኣና ምሕረት ዝሃበና(ዘፍ 32፡10)፤ 
ከም ጊልያ ኣብርሃም ለሚንናዮ ሓሳብ ልብና ዘፈጸመና፣ 
ከም ናእሚ ንምረትናን ሓዘንናን ደቢሱ ንቡር ህይወት ዚሃበና ኣምላኽ፡
ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ብሰላም ወጺና ብሰላም ክንኣቱ ምሕረቱ ዘብሓልና እግዚኣብሔር ወትሩ ከነመስግኖ፤ ብመጠን እቲ ዝረኸብናዮ ምሕረት ከኣ ምሕረትን ይቕረታን እንገብር ክርስትያን ኪንክወን ይግባእ። ንሓውና ወይ ድኻ ሰብ ክንርሕርሓሉ ከሎና፡ ንኣምላኽ ነኽብሮ ምህላውና እዩ
ቃሉ ዚምስከርልና (ምሳ 14፡21, 31፣ ሆሴ 14፡3)።
 ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና!
Amen JTKM

No comments:

Post a Comment