Debre Tsge Abune Endrias Sefaa ( St. Endrias Monastry Eritrea,JTM) “ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን በዓትታትን ጎዳጕድን ኮለል በሉ (ዕብ.11፣36)።
እቶም ቀዳሞት ኣቦታት
ንዓለም ገዲፎም ካብ ኩሉ ሰብ ርሒቖም ምስ ኣምላኽ ጥራይ ክነብሩ ኣብ በዓትታት ምድረ በዳ ኮለል ምባሎም ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ቅዱስ
ዮሓንስ ኣብ ኣስተንትንኡ ከምዚ ይብል “ምሳኻ ጥራይ ክዛረብ ምስ ሰብ ምዝራብ ኣቋረጽኩ፣ ማዕጾካ ክኸፍት ማዕጾይ ዓጸኹ፣ ንነብሰይ
ካብታ ባህርያዊት ጸሓይ ኣባይ ከይትበርቕ ከልከልኩ፣ ንስኻ ኣብ ጽላላ ፈውስን ጸሓይ ናይ ጽድቅን ኢኻ”።
No comments:
Post a Comment