Tuesday, September 29, 2015


ሓያሎ መዓልቲ ሓዚነ እናበኸኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልንነበርኩ። በልኩ ኸኣ፣ 
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፣ ዓቢይን መፍርህን ኣምላኽ፣ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ድማ ንዝሕልዉን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፣ እቲ ንዓኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘለኹ፣ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ፣ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ
ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘለኹ ጸሎት ክትሰምዕ፣ በጃኻ እዝንኻ ጽን ይበላ፣ ኣዒንትኻውን ይከፈታ። ንሕና ኣዚና ንዓኻ ዓጊብና፣ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሓሎናዮን (ነህ 1፣ 4-7)።

https://drive.google.com/file/d/0B5yEo0nXI0B_YkgxbXNTaFdpNkU/view?usp=sharing


"ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቀባበለና። መዝ 79፡8

 “Do not remember against us our former iniquities; let your compassion come speedily to meet us, for we are brought very low..” Psalms 79፡8

"ዎ እግዜኣብሄር ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ
ኢልካ ዘክረኒ።” መዝሙር 25:7 "