ኪዳን
ካህን፣- “ ምስጋና ንእግዚኣብሔር
ይኹን” ይበል ።
ሕዝቢ፣- “ ብሓቂ ይግባእ እዩ” ይበሉ ።
ካህን ነዚ ይጸሊ፣- ኦ ጎይታ ፣ንኣኻ ኹሉ ንዝፈጠርካ ንዘይትርአ ኣምላኽ፣ ብኹለንትናና ነምልኸካ ኣሎና። ኦ ንኹሉ ጥበብ ሓያል ዝኾንካ ጎይታ፣ ናይ ንግሆ ምስጋና ንውፍየልካ ኣሎና። ብዓል ብዙሕ ምሕረት ናይ ነፍሲ ፈጣሪኣ ዝኾንካ ኣምላኽ፣ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ካብ ኣብ ንዝተወለድካ ነመስግነካ ኣሎና ። ኣብ ቅዱሳኑ ዚዓርፍ ናይ ብሕቱ ቓል ኢኻ ።ንስኻ ብዘየቋርጽ
ምስጋናን ብኣሕሉቕ ሠራዊት መላእኽትን እትምስገን ኢኻ ። ብኢድ ዘይተፈጠርካ ፥ ኅቡኣት ዝፈጠርካ ንጹሕን ቅዱስን ዘይትምርመርን
ኢኻ። ናይ ምስጋናኻ ሥዉር ጥበብ ዝነገርካና መምህር ኢኻ ። ዘይጠፍእ ብርሃንውን ኣተስፎኻና። ናኣኻ ምስጋናን ክብርን ቅድስናን
ነቕርብ ኣሎና። ኦ ጎይታ ፥ንሕና ባሮትካ ንጹሕ ምስጋና ንውፊ ኣሎና
ሕዝቢ ኸኣ ንኣኻ የመስግኑ
ኣለዉ።
ሕዝቢ
፣-“ኦ ጎይታ ፥ንኣኻ ነመስግን ኣሎና” ይበሉ።
ካህን ነዚ ይጸሊ፣- ኦ ኣምላኽ ብርሃን ፥ ሕይወት ዝፈጠርካ ፥ ካብ ፍጹም ጸጋ ወሃብ ጸጋ ዝኾንካ ፥ ርእሲ
ኣእምሮ ፥ ንነፍሲ ዝፈጠረ፥ መዝገብ ጥበብ ረዳኢ ፥ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ዜሀብትም ። መምህር ቅዱሳንን መሠረት ዓለምን ዝኾንካ
። ጸሎት ንጹሓን እትቕበል።
ኦ ወልድ ዋሕድ ፥ ንኣኻ ነመስግን ኣሎና ። ቀዳማይ በኹሪ
ናይ ኣብ ቃል ፥ ነዞም እንጽውዓካ ንኣና ንኹሉ ዚኸውን ናትካ ጸጋ ዝሃብካና ንስኻ ኢኻ ። ኦ ነውሪ ዘይብሉ ንጹሕ ኣቦ ፥ ጻጸን
ቍንቍነን ዘየበላሽዎ ሃብቲ ዘለዎ። ነቶም ብፍጹም ልቢ ዚኣምኑኻ እትህብ።ንመላእኽቲ
ኬመስግንዎ ዜፍትዎም ። ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበረ ዘይጠፍእ ሓላዊና ብርሃን ኢኻ። ነቲ ኣባና ዝነበረ መዝገብ ጽልመት ኣርሒቕካ ብፍቓድ
ኣቦኻ ኣብራህካልና። ካብ መዓሙቍ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውፃእካና። ካብ ሞት ኣድኂንካ ሕይወት ሃብካና። ካብ ባርነት ሓራ ኣውፃእካና።
ብመስቀልካ ናብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻ ኣቕረብካና። ብወንጌል መራሕካና ፥ብነቢያትውን ኣጸናናዕካና። ኦ ኣምላኽ ባዕልኻ ኢኻ ዘቕረብኻና
። ስለዚ ኦ ጎይታ ፥ንሕና ባሮትካ ንኣኻ ንኣምላኽና ክንውድስን ብዘይ ምቊራጽ ኩሉ ሳዕ ከነመስግንን ብርሃን ሃበና ።
ሕዝቢ’ውን
ንኣኻ ይውድሱ ኣለዉ ።
ሕዝቢ፣- “ኦ ጎይታ፥ ንኣኻ ንውድስ ኣሎና” ይበሉ።
ካህን ነዚ ይጸሊ፣- ምስ ኣቦ ልዕሊ ኹሉ ንዝኾንካ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር ፥ምስቲ ናይ ዘለዓለም መንግሥትኻ
እዚ ምስጋና እዚ ንሣልሳይ ጊዜ ካብ ኣፍና ነቕርብ ኣሎና ።ኵሉ ፍጥረት ድማ ብምርዓድን ብመንፈስ ፍርሃትን የመስግነካ ኣሎ። ኦ
ኵሉ ነፍሲ ዚፈርሆ ፥ኵሎም ነፍሳት ጻድቃን ብኣኻ ጸኒዖም ዚነብሩ። መናፍስቲ ዘምጽእዎም ወሓዝቲ ማዕበላት ካባና ዘህዳእካ ። ካብ ጥፋኣት፥ ወደብ ሕይወት ዝኾንካና ንስኻ ኢኻ። ናብቲ
ናይ ዘለዓለም ተስፋ ምድኃን ዘለዎ ጸግዒውን መጕየዪ ዝኾንካና ንስኻ ኢኻ። ነቶም ኣብ ባሕሪ ዚጭነቑ እተድኅን። ነቶም ኣብ ምድረ
በዳ ዘለዉ ኸኣ ብጸጋኻ እትሕዊ፥ ነቶም ኣብ ጹኑዕ ማእሰርቲ ዘለዉ ኸኣ ምስኣቶም እትነብር። ካብ ማእሰር ሞት ዝፈታሕካና፥ ንመሳኺንን
ንዚበኽዩን ዚናዝዞም፥ ነቶም ዝጻመዉ ድማ ብመስቀሉ ዚብጀዎም። ነቶም ኣብኡ ዝተወከልና ኵሉ መዓት ካባና ዚመልስን ዜርሕቕን ንስኻ
ኢኻ። ኦ ጎይታ፥ ነቢያትን ሓዋርያትን ንኅቡሕ ንዜመስግኑኻ ንኣኻ ንውድስን ነመስግነካን ኣሎና። ኣብ ማኅደር ሕይወት ምእንቲ ኸነዕርፍ፥ብኣኻ
ኣሚንና ፍቓድካ እናገበርና ብትእዛዝካ ከም እንመላለስ ግበረና። ኦ ጎይታ፥ ንዅሉ ንናእሽቱን ንዓበይትን፥ ንመመኃደርን ንሕዝቡን፥
ንጓሳን ንመጓሴኡን፥ ብምሕረትካ ሓሉ። ኦ ጎይታናን ኣምላኽናን ቡሩኽ መንግሥቲ ናትካ እዩ እሞ፥ ቅድሚ ዓለም፥ ምስጋና ንኣብ ንወልድን
ንመንፈስ ቅዱስን ይግባእ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንውሉድ ወለዶን ዘይውዳእ፥ንዘለዓለም ዓለም ።
ሕዝቢ፣-“ ኣሜን” ይበሉ።
ካልኣይ ክፍሊ
ንግሆ ዝጽለ ኪዳን
ትእዛዝ፦ ካህን ገጹ ናብ ህዝቢ ኣቢሉ ይምለስ። ነዚ ዝስዕብ ብልዑል ዜማ ይጸሊ፦ ሕዝቢ ውን ከምቲ
ሥርዓቱ ይጸልዩ።
ካህን፦ “ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ምስ መንፈስካ” ይበሉ።
ካህን፦ “ንኣምላኽና ነመስግኖ።” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ሓቂ ይግባእ እዩ” ይበሉ።
ካህን፦ “ሕሊና ልብኹም ኣጽንዑ” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣሎና፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና።
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ይበሉ።
ካህን፦ እግዚኣብሔር ኣብ ወሃብ ብርሃን እዩ። ንኹሉ ዝኸውን ኃይሊ ዘለዎ ንኹሉ ነፍሲ ውን ዝሕሉ፣
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ ብርሃን ንዓለም ዝፈጠረ እዩ። ናብ ሕይወት ዝመርሕ ዘይሓልፍ ደስታ ዝህብ። ካብ መዐንቀፊ ጸልማት ዘውጻእካና፣
ዘይርከብ ብርሃን ከኣ ጸጎኻና። ነቶም ብኣኻ እንኣምን ካብ ምእሰርቲ ፈቲሕካ ብእምነት ከለልካና። ኩሉ ሳዕ ካብ ባሮቱ ዘይርሕቕ
ምስኦም ዝነብር። ነታ ብምፍራሕን ብምርዓድን እትልምኖ ነፍሲ ዘይጽነን። ቅድሚ ሓሳብ ኩል ዝፈልጥ። ቅድሚ ሕሊና ኸኣ ዝምርምር፣
ከይለመንናዮ ዘድልየና ፈሊጡ ብፍቓዱ ይህበና። ብዘይምጥርጣር ክንጽውዖ ከሎና ዝሰምዓና። ዘይምርመር ብርሃን ንጉሥ ሠራዊት ሰማያት
እዩ። ናይቶም ኃዲርዎም ዝነብር ሊቃነ መላእኽቲ ምስጋና ሰማዒ እዩ።
ኦ ጐይታ ንልምነካ ኣሎና ስምዓና። ንዓኻ ነመስግንን ንዓኻ ንውድስን ንዓኻ ንባርኽን ኣሎና። ብኣኻ ድማ ክንጸንዕ ብእምነት ዘየቋርጽ
ቃል ሃበና። ኦ ጐይታ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና።
ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ ንዓኻ ነመስግን ኣሎና” ይበሉ።
*****
ካህን ነዚ ይጸሊ፦ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልመናና ስምዓና። ንዓባሳት ቃል፣ ንስቡራት ምርኵስ፣
ንዕዉራት ብርሃን፣ ንሓንካሳት እግሪ፣ ንለምጻማት መንጽሒ፣ ብሕማም ንዝተታሕዙ መሕወዪ፣ ንጸማማት ፈውሲ ኰንካዮም። ንሞት ዘለፎ
ንጸልማት ከኣ ሳቐዮ። ብርሃን ዝፈጠረ ዘይዓርብ ጸሓይ፣ ዘይጠፍእ መብራህቲ እዩ። ኩሉ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ዘብርህ ፀሓይ እዩ።
ብምዱብ ፍታው ንኹሉ ስልማት ዓለም ዝፈጠረ እዩ። ሰብ ንምድሓን ተወሊድካ ንኹሉ ተገለጽካ። ንነፍሲ ዝመለስካያ ንስኻ ኢኻ። ንኹሉ
ድማ በብዘድልዮ ኣቐዲምካ ሓሌኻ። ንመላእኽቲ ዝፈጠርካ ኣቦ ኩሉ፣ ጌጽ ዓለም፣ ንምድሪ ዝፈጠርካያ ንስኻ ኢኻ። ካብ ጥንቲ ጥበብን
ኣእምሮን፣ ካብ ኣቦ ናብዚ ዓለም እዚ ተላእከ። እዚ ህላዌ እዚ ዘይፈርስን ዘይምርመርን እዩ። ዘይረአ መንፈስ እዩ። ነዚ ዘብሰርካና
ንስኻ ምስጉን ኢኻ። ስምካ መስተንክር እዩ። ኦ ጐይታ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ንውድሰካ ኣሎና።
ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ ንዓኻ ንውድስ ኣሎና” ይበሉ
*****
ካህን ነዚ ይጸሊ፦ ኦ ጐይታ ነዚ ቅዱስ ምስጋና ንሣልሳይ ግዜ ናባኻ ነቕርብ ኣሎና። ዘይልወጥ
ናትካ እምነት ሃብካና። ብእኡ ኸኣ ማእሰር ሞት ክንስዕር ገበርካና። ካብ ሰብ መራሕቲ ክኾኑ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ቅኑዕ ሕሊና ዝሃብካ
ንስኻ ኢኻ። ንኹሉ ሓይሊ ጸላኢ ብመንፈስ ክንረግጽ ሃብካና፣ ዘይፍታሕ ክንፈትሕ ድማ ምስ ኣቦኻ ፍቕሪ ገበርካልና። (ሉቃ 10፣18-21)
ኣብ ማእከልና ኴንካ ድማ ዓረቕካና። (ኤፌ 2፣13-16) ኦ ጐይታ ነቶም ዝልምኑኻ ስምዓዮም፣ ኦ ጐይታ እዞም እንልምነካውን ኣይንከሰስ።
ኣብ ግዜ ክስስ ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ደኣ ዓወት ይሃልወና፣ ካብ ምትላል ጸላኢ ክንሕሎ ዘየቋርጽ ጸሎት ሃበና። ኦ ዘልኣለማዊ ንጉሥ
ስማዕ። ንመበለት ኣጸናንዕ፣ ንዘኽታማት ከኣ ተቐበል። ብሓጢኣት ንዝረኸሱ ብምሕረትካ ኣንጽሕ። ንዓያሹ ኣለብም፣ ንጥፉኣት ምለስ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ኣድኅን። ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ቡሩኽ መንግሥቲ ናትካ እዩ እሞ፣ ንኹልና ጸግዒ ኵነና።
ሕዝቢ፦ “ኣሜን” ይበሉ።
ክፍሊ
ሠለስተ
ሠርክ ዚጽለ ኪዳን
ትእዛዝ፦ ካህን ገጹ ናብ ህዝቢ ኣቢሉ ይመልስ እሞ ብልዑል ቃል ነዚ ይበል።
ህዝቢ ኸኣ ከምቲ ስርዓቱ
ይበሉ።
ካህን፣ “ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ይኹን።” ይበል
ሕዝቢ፦ “ምስ መንፈስካ” ይበሉ
ካህን፦ “ንኣምላኽና ኣመስግንዎ” ይበል።
ሕዝቢ፦ “ብሓቂ ይግባእ እዩ” ይበሉ
ካህን፦ መድኃን ነፍስና ንዝኾንካ ንዘይትልወጥ ንዓኻ ንኣብ፣ መሠረት ጥበባትን ዓቃቢ ኣልባብናን
ዓይኒ ልብና ዘብራህካልና፣ ጸልማት ሕልናናውን ኣርሒቕካ ብናትካ ኣእምሮ ዝኸለልካና ንስኻ ኢኻ። ነቲ ንጥፍኣት ዝተወፈየ ናይ ጥንቲ
ሰብ ብመስቀል ወድኻ ኣድኃንካዮ። ብዘይጠፍእ ከኣ ሓደስካዮ። ብትእዛዝካ ድማ ስሕተታት ጠፍአ። ነኢ ዝጠፍአ ደሌኻዮ ብሞት ወድኻ
ውን ተበጀኻዮ። ኦ ጐይታ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና።
ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ ነመስግነካ ኣሎና” ይበሉ።
********
ካህን፦ “ኦ ጐይታ ንውድሰካ ኣሎና ሊቃነ መላእኽቲ ብዘየቋርጽ ምስጋና ማኅሌት ኩሉ ሳዕ
ዘመስግኑኻ ኢኻ። ኦ ጐይታ፣ እዚ ኣጋእዝቲ ብኣኰቴትን ማኅሌትን ኩሉ ሳዕ ዘመስግኑኻ ኣይ ክብሪ ምስጋና እዩ። ቅድም ምሳኻ ዝነበረ
ናትካ ቃልን ናትካ ምኽርብ ናትካ ጥበበን ናትካ ምብጻሕን ዝለኣኽካ ኢኻ። ኦኣለም ከይተፈጥረ ምሳካ ህልዊ ዝኾነ። እወ እቲ ባህርይ
ሰብ ንምድሓን ብሥጋ ዝተገልጸ ቃል ካብ ኣርዑጥ ሓጢኣት ሓራ ዘውጽኣና ወድካን ፍቑርካን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ኦ
ጐይታ ንሕና ባሮትካ ንውድሰካ ኣሎና።
********
ካህን ነዚ ይጸሊ፦ ኦ ወሃብ ሕይወት ጐይታ ንዓኻ ካብ መዓሙቕ ልብና ንሣልሳይ ግዜ ውዳሴ
ነቕርበልካ ኣሎና። ነፍሲ ትሑታት ዝርኢ ንጭኑቕ መንፈስ ሸለል ዘይበለ፣ ነቶም ዝተሰዱ ዝቕበሎምን ዝረድኦምን። ነቶም ኣብ ረግረግ
ሓጢኣት ተዋሒጦም ዝሳቐዩ መድኃኒ፣ ንጥሙያት ዝሓሊ ንግፉዓት ዝብቀለሎም። ዓርኪ ምእመናን ንጻድቃን ዝምስክረሎም፣ ንንጹሃን መሕደሪኦም
ንጽድቂ ንዝጽውዕዎ ሰማዒ። ንመበለት ከዳኒ፣ ንዘኽታማት ዝኣሊ። ነታ ምዕራፍ ምስጋና እምነትን ጉባኤ መንፈስን ሃብት ጸጋን ኃይልን
ክትከውን ዝተኸላ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ መራሒ ዝህብ። ኦ ጐይታ ከየዕረፍና ኩሉ ሳዕ ንዓካ እናወደስና ብእኡ ኣምሳል መንግሥትኻ
ብልባትና ንምስል ኣሎና። ብኣኻን ብፍቑር ወድኻ ጐይታና ኢየሱስን ብእኡ ምስጋናን ጽንዓትን ዘሎካ ንዘልዓለመ ዓለም።
ሕዝቢ፦ “ኣሜን” ይበሉ።